ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኹናት ካብ ዘለዎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ኣብ ቀረባ ዝተመረቁ ተማሃሮ ኣብቲ ዝተመረቅሉ ዩኒቨርስትት ንኽጸንሑ ክፍቀደሎም  ሓቲቶም።


ኹናት ካብ ዘለዎም ከባቢታት ኢትዮጵያ መጺ ኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ኣብ ቀረባ ዝተመረቁ ተማሃሮ ኣብቲ ዝተመረቅሉ ዩኒቨርስትት ንኽጸንሑ ክፍቀደሎም ወይውን ናብ ትውልዲ ቦታታቶም ተዓጂቦም ክስነዩ ሓቲቶም።

ካብ ዩኒቨርስቲ ሃረማያ ዝተወሰኑ ተማሃሮ ድሕሪ ምምራቆም ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ክጸንሑ ዝተፈቅደሎም ክኸውን ከሎ ንተማሃሮ ናይ መጓዓዝያ ወጻኢ ከፊሎም ዝለኣኹ ዩኒቨርስታት'ዉን ኣለዉ።

ካብ ትግራይ ከም ዝመጸት ዝተዛረበት ሽማ ክግለጽ ዘይደለየት ተመራቂት ምህንድስና ከምቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ካብ ዩኒቨርስታት መቐለን ዓዲ ግራትን ተማሃሮ ብዓለም - ለኸ ትካል ስደተኛታትን ዓለም - ለኸ ቀይሕ መስቀልን ናብ

ስድርኦም ክመጹ ዝተገብረ ተጋሩ ተመረቅቲ 'ውን ናብ ስድረኦም ዝምለስሉ ኩነታት ክመቻቸው ሓቲታ'ላ።

ካብ ትግራይን ወሎን ጥራይ ዘይኾነስ ካብ ቦረና ዝመጹ ተማሃሮ'ዉን ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቅሪቦም ለዉ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ብወገኑ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ይመክር ከምዘሎን ኣብ ቀረባ ምላሽ ከም ዝህብን ብዳይረክተር ኮምኒከሽ'ቲ ሚኒስተር ኣቢሉ ምግላጹ ኣዲስ ቸኮል ካብ ድሬዳዋ ሓቢሩ ሎ።

XS
SM
MD
LG