ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮ፣ ንምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ከሚላ ሃሪስ ኣብ ‘ኢልዚ ፓላስ’ ተቀቢሎም ከምዘተኣናግዱ ተገሊጹ


ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮ፣ ንምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ከሚላ ሃሪስ ኣብ ‘ኢልዚ ፓላስ’ ተቀቢሎም ከምዘተኣናግዱን፣ ኣብ ልዕሊ ለውጢ ኣየር፣ ጥዕና፣ ዓለም ለኻዊ ቁጠባን ቀረብን ከምዝዘራረቡን ተገሊጹ።

ምክትል ፕረዚደንት ከሚላ ሃሪስ፣ ንናይ ኣርባዕተ መዓልታት መገሻ ፓሪስ ዝኣተዋ ትማሊ ረቡዕ እዩ። ዕላማ መገሸአን፣ ብሰንኪ ውዕል ዕዳጋ መርከብ ውግእ ውሽጢ ባሕሪ (ሳብ መሪን) ንዝተፈጥረ ውጥረት ንምትህድዳእ ከምዝኾነ እቲ ዜና ይሕብር።

ምክትል ፕረዚደንት ሃሪስ፣ ምስ ፕረዚደንት ማክሮ ቅድሚ ምርኻበን፣ ምስ ባዓል ቤተን ዳግ ኢምሆፍ ኣብ ትካል ምርምር ፓስተር ዑደት ብምክያድ ኣብ ምርምር መድሓኒት ጸረ ኮቪድ 19 ይነጥፉ ንዘለው ኣሜሪካዊያንን ፈረንሳዊያንን ሊቃውንቲ ኣዘራሪበን።

ሰበ ስልጣን ‘እቲ ዑደት፣ መርአያ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ነዊሕ ዝጸንሐ ልውውጥ ሳይንሳዊ ምርምር እዩ’ ክብሉ ይገልጽዎ

XS
SM
MD
LG