ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ንግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ግዜ ይጽንቀቕ ኣሎ` ፡- ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ


ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ትማሊ ሰኑይ ንባይቶ ጸጥታ ክዛረብ ከሎ፡ ንቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዘሎ መስኮት ዕድል ይጸብብ ኣሎ ኢሉ።

ትማሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ንባይቶ ጸጥታ መብርሂ ዝሃበ ኣባሳንጆ፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ከምኡ`ውን ምስ ገለ መሳርሕቶም ዝኾኑ ጉጅለታት ብንጽል ከምዝተራኸበ ኣፍሊጡ- ወጥሪ ንምህዳእን ዝርርብ ንምጅማርን።

“ ነዚ ኣብቲ ምሉእ ስትራተጂካዊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀጥታዊ ጽልዋ ዘለዎ ግጭት ዝያዳ ንከይንህር ፍታሕ ኣብ ምድላይ ሓባራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝግብኦ ሕጂ`ዩ" ኢሉ ኦለሸገን ኣባሳንጆ- ፕረሲደንት ናይጀርያ ነበር።

ትማሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ንባይቶ ጸጥታ መብርሂ ዝሃበ ኣባሳንጆ፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ከምኡ`ውን ምስ ገለ መሳርሕቶም ዝኾኑ ጉጅለታት ብንጽል ከምዝተራኸበ ኣፍሊጡ- ወጥሪ ንምህዳእን ዝርርብ ንምጅማርን።

" ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ኮነ ኣብ ሰሜን ዘለዉ መራሕቲ፡ በብውልቆም ክዛረቡ ከለዉ ፍልልያቶም

ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዝደልዮን ብልዝብ ክፈትሕዎ ከምዝደልዩን ይሰማምዑ`ዮም" ዝበለ ፍሉይ ልኡኽ

ህብረት ኣፍሪቃ፡ እዚ ማለት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕጋዝ ብሓባር ክንሰርሕ ዕድል ዝህብ`ዩ- ነቲ

ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኣብ ሞዕራፍን ነባሪ ፍታሕ ኣብ ምድላይን ኢሉ።

ኣባሳንጆ ኣተሓሒዙ ሎሚ ሰሉስ ድማ ናብቲ ህወሓት መጥቃዕቱ ዘስፍሓሉን ኣሸሓት ዘፈናቐለሉን ክልላት

ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝበጽሕ ኣፍሊጡ`ሎ፡።

ሓይልታት ትግራይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምርሽ ኣለና እታ ከተማ ድማ ኣብ ኣዋርሕ ወይ`ውን

ሰሙናት ኣብ ትሕቴና ክትወድቕ ትኽእል`ያ ኢሎም ኔሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ን6ተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ ኣዋጅ እዋን ሓደጋ ብምእዋጅ፡ ነበርቲ ሰፈሮም ክሕልዉ

ጸዊዑ`ዩ።

ጃል ማሮ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን መሻርኽቲ ህወሓትን ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ክዛረብ ከሎ፡ ሰራዊት

ሓርነት ኦሮሞ ንሰለማውያን ሰባት ስግኣት ኣይኮነን፡ ግን ኣቢይን ብልጽግና ፓርቱን ምሉእ ንምሉእ ከልግሱ

ኣለዎም ዕርቂ ንክጅምር ኢሉ።

" ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርጉእን ክንገብሮ ኢና፡ ድሕሪ ስርዓት ኣቢይ ግጭት

ከምዘይህሉ እተኣማመን`የ' ኢሉ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፡ ንምዕራባዊ ሚድያታትን ገለ ሃገራትን ንህወሓት ብምትብባዕ

ከሲሱ`ሎ። ' ክሳብ ንሓደ ብህዝቢ ዝተመረጸ መንግስቲ ንምእላይን፡ 112 ሚልየን ህዝቢ ንዘለዋ ሃገር

ንምርባሽን`ዮም ኣጆኹም ዝብሃሉ ዘለዉ ዝበለ ኣምባሳደር ታየ ህዝቀ-ስላሰ ፡ ንጉጅለ ህወሓት ናይ

ኮሚኒኬሽን ኣቑሑት፡ ናይ ሳታላይት ሓበረታ፡ ኣጽዋራት ወላ`ውን ናይ ተዋጋእቲ ሓገዝ ዝግብርሉ ዘለዉ

ወገናት ካብ ተግባርቶም ክቑጠቡ ነተሓሳስብ ኢሉ።

ሓላፊት ፖለቲካ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሮስማሪ ዲካርሎ ብወገና፡ እቲ ግጭት ኣብ ኣዕናዊ ደረጃ በጺሑ

ከምዘሎ ድሕሪ ምጥንቃቕ፡ ቀልጢፉ ደው እንተዘይኢሉ፡ እታ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ

ዝኾነት ኣገዳሲት ሃገር ናብ መምለሲ ዘይብሉ ኩናት ሕድሕድ ክትጥሕል`ያ ኢላ።

እቲ ኩናት ንዞባዊ ርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃ የስግእ ከምዘሎ`ውን ሚስስ ዲካርሎ ሓቢራ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፍልድ ብወገና፡ እቲ ኩናት እናተናውሐ

እንተኸይዱ መንገዲ ሰላም እናተረረ ክኸይድ`ዩ፡ ከምቲ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባሳንጆ ዝበሎ፡ መስኮት

ዕድል ውሱን`ዩ ግዜ ከኣ ይጽንቀቕ ኣሎ፡ ስለዚ ኩሎም ወገናት ካብ ጸድፊ ተመሊሶም ንህዝቦም ናብ ሰላም

ክመርሕዎ ብትሪ ከተሓሳስብ እደሊ ኢላ።

ኣተሓሒዛ፡ ኣመሪካ ናብ ሓደ ወገን ዝወገነት`ያ ንዝብል ክስታት ሓሶት`ዩ ኢላ።

“ ብንጹር ክዛረበኩም፡ ብኹሎም ወገናት ዝግበር ጎንጺ ንኹንኖ ኢና፡ ብኩሎም ዝፍጸም ዝኾነ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ድማ ንኹንኖ ኢና ኢላ" ኣምባሳደር ኣመሪካ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ኣማኻሪት ኣብ ምክልኻል ምጥፋእ ዘርኢ ኣሊስ ደሪቱ ብወገና፡ ዓሌትን

ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ናይ ጽልኢ ዘረባን ምልዕዓል ጎንጽን ከም ዘሻቐላ ድሕሪ ምግላጽ፡

እዚኦም ኩሎም ንገበናት ግፍዒ ረቛሒታት ክኾኑ ይኽእሉ`ዮም ኢላ።

ካብ ኣባሳንጆ ብተወሳኺ፡ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍት`ውን ኣብ ኢትዮጵያ

ዝገበሮ ናይ 4ተ መዓልታት ዑደት ትማሊ ሰኑይ ዛዚሙ`ሎ።

ኣብ እዋን ዑደቱ ናብ መቐለ ርእሰ ከተማ ትግራይ ተጓዒዙ ኔሩ- ናብቲ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ረድኤት ተዓጽይዎ ዘሎ ክልል። ካብ ጥቅምቲ 18 ንድሓር ረድኤት ኣይኣተወን- ልዕሊ 5ተ ሚልየን ህዝቢ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣሎ ይብል ንሱ።

ግሪፍት ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ኣቢይን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፈደራል መንግስትን ተራኺቡ ኔሩ`ዩ።

ናይ ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን`ውን ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ

ቀንዩ`ሎ-

ብመሰረት ሓበረታ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ፡ ጀፍሪ ፈልትማን ኣብዚ ሰዓት`ዚ ኣብ

ኣዲስ ኣበባ`ዩ ዘሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:30 0:00


XS
SM
MD
LG