ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ሱዳን ኣገልግሎት ኢንተርነት ክኽፈት ኣዚዙ


ብ25 ጥቅምቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ብዘይ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንሻዱሻይ መዓልቲ ኣብ እተቝጽር ዘላ ሱዳን፡ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ክምለስ ብይን ሂቡ--ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ።

ካብ ተገልገልቲ ወገናት ድሕሪ ዝቐረበሉ ክሲ’ዩ ቤት ፍርዲ ነተን ሰለስተ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝዀና ዛይን፡ ኤም.ቲ.ኣይን ሱዳኒን ዝተባህላ ትካላት ነቲ ምቍራጽ ኢንተነት ክምለሰኦ ወሲኑ ዘሎ።

ዋላ’ኳ ሓያሎ ሱዳናውያን ብኢደ-ዙር ኣገልግሎት ኢንተርነት ክረኽቡ እንተጸንሑ፡ ንዝበዝሕ ተገልጋሊ ኢንተርነት ስለ ዝተዓጽወ ግን እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ንዝገብሮ ሰብኣዊ ጭፍጨፋ ጽቡቕ ሽፋን ከም ዝህብ ተሓለቕቲ ይጠቕሱ።

ምቍራጽ ኢንተርነት፡ ንኣብ ዳርፎር ዝካይደ ዘሎ ቅልውላ ኣጋዲዱ ነቲ ብመንግስቲ ዝግበር ግፍዒ ስእነት ተሓታትነት ከም ዘፍቅድ’ውን እቶም ተሓለቕቲ ይውስኹ። ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ሓያሎ ስደተኛታት’ውን እዚ ስእነት ኢንተርነት ዓቢ ጸገም ከም ዝፈጠር ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይጽብጽብ።

ብጀነራል ዓብደል-ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ክንፊ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምግባሩ፡ ክሳብ ኣብ 2023 ዝግበር ምርጫ፡ ብሰብ-ሞያ ዝቖመ መንግስቲ ክምስርት ምዃኑ’ዩ ዝንገር። ክልተ ሰሙን ድሕሪ’ቲ ዕልዋ ግን ዛጊት እታ ሃገር ካቢነ ሚኒስተራት የብላን።

ወደብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ንቐዳም’ውን ዓቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሰሪዖም ምህላዎም ይነግሩ። ዕላማ’ቲ ንቐዳም ተታሒዙ ዘሎ ሰለማዊ ስልፊ “ምስ ወተሃደራዊ መሪሕነት ዘተ ኣየድልን፡ ሕጋዊ ኣካል’ውን ኣይኮነን” ዝብል’ዩ ክኸውን።

ምቍራጽ ኢንተርነት ከኣ ንወደብቲ እቲ ሰልፊ ዓቢ ጸገም ፈጢሩሎም ከም ዘሎ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG