ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ-መዚ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ እንኮ መፍትሒኡ ምቍራጽ ተጻብኦ ምዃኑ ይጽውዑ


UN Ethiopia
UN Ethiopia

ሓላፊ ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ማርቲን ግሪፍስ ምስ በበይኖም ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ከም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ምክትል ቀዳማይ ሚንስተር ደመቀ መኮነንን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ካልኦትን ተራኺቡ፡ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ትማሊ ዛዚሙ።

ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ኦቻ፡ ግሪፍስ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ድሕሪ ምርኻቦም’ውን ሰብኣዊ ብዛዕባ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ከም ዝተዘራረቡ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከባ ግዳያት፡ ቀንዲ ህሱያት እቲ ኲናት ዝዀና ደቀንስትዮ ዝተራኸበ ግሪፍስ፡ “መዓልታዊ ህይወትን ንምቕጻል፡ መግቢን መሰረታዊ ቀረባት መድሃኒት ንምርካብ ዝቃለሳ ዘለዋ ደቀንስትዮ ረኺበ። እዘን መሪር ቃልሲ ዘሕልፋ ዘለዋ ኣደታትን ደቀንን ብሩህ መጻኢ ክህሉዎም ዓለም ክትሕግዝ ኣለዋ፡” ኢሉ።

ማርቲን ግሪፍስ ንትግራይ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት’ውን ናብቲ ብዂናት ተሃስዩ ዝርከብ ክልል ኣምሓራ በጺሖም። እቶም ካብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ዝዀኑ ዝምልከቶም ሰብ-መዚ፡ ምስ ክልል ኣምሓራ ሃናጺ ርክብ ምክያዶም ጋዜጣዊ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ኦቻ ይጠቅስ።

ኵላቶም ኣካላት ጸቒጦም ዝዛረቡሉ ምስ መጠን ብዝሒ ተመዛበልቲ ዝዳረግ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይምህላዉ’ዩ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ብድምሩ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ብቐጥታ በዚ ኲናት ተጸልዮም ኣለዉ--ከም መግለጺ ኦቻ።

ሕቡራት ሃገራት ምስ ካልኦት ኣካላት ኰይኑ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ክጽዕር ምዃኑ ዘመልከተ ግሪፍስ፡ መወዳእታ መፍትሒ ናይቲ ቅልውላው ሰላም ምዃኑ ጸቒጡ ተዛሪቡ። ኣስዒቡ ድማ ኵላቶም ወገናት ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ምትሕብባር ክገብሩ ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG