ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብክልተ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተመስረተት‘“ናትና” ኣኒም ፕሮዳክሽን ‘ዝተሰመየት መበቆላዊት ናይ ኣኒሜሽን ጉጅለ


Animation By Eritrean students
Animation By Eritrean students

ናኦድ ሚካኤልን ናትናኤል ሙሉሰውን ብዝተብሃሉ መንእሰያት ዝተመስረተት “ ናትና ኣኒም ፕሮዳክሽን” ዝተብሃለት ጉጅለ ፡ኤርትራዊ መብፕቆላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ፊልምታት ተፍሪ ከምዘለ መስረታ ንቪኦኤ ገሊጾም።

እዛ ሽውዓተ ኣባላት ዝሕቖፈት ጉጂለ መፍረ ፊልም፡ ቀንዲ ዕላማ ኣብ ኤርትራ ዓውዲ ኣኒሜሽን ፊልም ብምስፋሕ መበቆላዊ ፊልምታት ብምፍራይ ብደረጃ ኣህጉር ተፈላጥነቱ ንምስፋሕ ከምዝኾነ መስረታ ይዛረቡ።

Animation
Animation

ነዚ ናይ ኣኒሜሽን ስራሕ ኣብ ርእሲ’ቲ ቀንዲ ስርሖም ኣብ ትርፊ ግዚኦም ከምዝዓይዎም ዝገለጹ መስረቲ ናይዛ ጉጅል ዝኾኑ መሃንድስ ናትናኤልን መንእሰይ ናኦድን ኣብዚ ሕጂ እዋን ብደረጃ ዓለም ዝተኣታተወ ምዕቡል ኣሰራርሓ ልዕሊ ሽውዓተ ፊልምታት ከምዘፍረዩ ገሊጾም ኣለዉ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:19 0:00


XS
SM
MD
LG