ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኢትዮጵያውያን: ትማሊ ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመንግስቲ ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም 


ህወሓትን ደገፍቶም ዝሓለፈ ሰሙን ንሮይተርስ ክዛረቡ ከለዉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 325 ኪ.ሜ ርሕቐት ኣለና ኢሎም ኔሮም። 

ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቁጸሩ ኢትዮጵያውያን: ትማሊ ሰንበት :ኣብ ኣዲስ ናብ ዝርከብ ኣደባባይ ብምውጻእ : ንመንግስቲ ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም ኔሮም።

ካብ መንጎ`ቶም ተሰለፍቲ ገሊኦም :ንኣመሪካ ዝኹንን ጭርሖታት የቃልሑ ኔሮም።

እዚ ሰልፊ ዝግበር ዘሎ፡ እቲ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኩናት ኣብ ዝሰፈሓሉ፡ ዕጡቓት ብሸነኽ ሰሜን ኣብ ዝገስገስሉን: ኣሸሓት ኣብ ዝሞትሉን እዋን`ዩ።

ኣመሪካባይቶ ጸጥታ: ሕብረት ኣፍሪቃ ከምኡ`ውን ጎረባብቲ ዝኾና ከንያን ኡጋንዳን ለንቅነ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ይጸውዑ`ምበር መንግስቲ ኣቢይ፡ ኣንጻር`ቶም ዕጡቓት ምውግኡ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ`ዩ። ዝሓለፈ ዓርቢ መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነታ ሃገር ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከምዘለዎ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ኣብ ጎኒ ደሞክራሲ ኢትዮጵያ ደው ክብሉ ጸዊዑ`ሎ።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፊ ፡ሃገራዊ ባንዴራ ካብ ዝሓዙ ዜጋታት ገሊኦም ንኣመሪካ ነጺሎም ይነቕፉ ኔሮም።

ምምሕዳር ባይደን ንኢትዮጵያ ብጃምላዊ ግህሰት መሰላት ብምኽሳስ ካብቲ ዕዳጋ ናጻ ቀረጽ ከውጽኣ መዲቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ዩ።

ሕጂ ኣብቶም ሰልፈኛታት' ኣመሪካ ክትሓፍሪ ይግባእ` ዝብል ጭርሖ ይንበብ ኔሩ ። "ዩኤስ ንደም ኢትዮጵያ ምምጻይ ይኣኽለኪ" ዝብል`ውን ይቃላሕ ኔሩ። መንግስትን ህወሓትን ዘተ ክጅምሩ ኣመሪካ ምጽዋዓ`ውን ቁጥዕኦም ይገልጹ ኔሮም ካብቶም ኣደባባይ ዝወጹ ሰልፈኛታት።

ኣብ ሰሜን `ታ ሃገር ኩናት ዝጀመረ፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ንዝነበረ መዓስከር ሰራዊት ምክልኻል ድሕሪ ምሓዞም`ዩ።

ጓል 37 ዓመት ትእግስት ለማ፡ ካብ መንጎ`ቶም ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ዝወጹ`ያ፡ " መንግስቲ ኣመሪካ ደኣ ስለምንታይ`ዩ ከም ኣልሸባብ ምስ ዝበሉ ኣሸበርቲ ልዝብ ዘይገብር " ክትብል ትሓትት። ከምቲ ንኣፍጋኒስታን ዝገበርዎ ንሃገራና ከፍርሱ ደልዮም`ዮም፡ ግን ኣይክዕወቱን`ዮም- ምኽንያቱ ንሕና ኢትዮጵያውያን ኢና" ትብል ንሳ።

ኣብቲ ሰልፊ ዝተዛረበት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝገበርዎ ናይ መኸተ ታሪኽ እንዝክረሉ ግዜ ሕጂ`ዩ ክትብል ተዛሪባ።

ኣብቲ ሰልፊ ዝተዛረበ ደርፍታቱ ንሓድነት ኢትዮጵያውያን ዝጽውዑ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ታሪኩ ጋንኪሲ ብወገኑ፡ ንኩናት ዘይኮነ ንዕርቂ ንጸውዕ ዝብል መልእኽቲ`ዩ ኣመሓላሊፉ፡ መንእሰያት ናብ ግንባር ከይዶም ኣይምቱ፡ ዓበይቲ ቆጽሊ ሰላም ሒዞም ይኺዱ ብምባል' ብሽምግልና ይሓይሽ፡ ኣፍ-ሻምብቆ ብረት የብቃዕ ፍታሕ ኣይኮነን ኢሉ።

ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ኢትዮጵያ ፡ ዕድሚኦም ንውትህድርና ዝኣኸለ ዜጋታት ወተሃደራዊ ግዴታ ክቕበሉ ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ትእዛዝ ከመሓላልፍ ይኽእል`ዩ።

ህወሓትን ደገፍቶም ዝሓለፈ ሰሙን ንሮይተርስ ክዛረቡ ከለዉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 325 ኪ.ሜ ርሕቐት ኣለና ኢሎም ኔሮም።

ሮይተርስ ግን ንስፍሓት ግስጋሰ ህወሓት ብናጻ ወገን ከረጋግጽ ኣይክኣልኩን ይብል። መንግስቲ ድማ እቲ ጉጅለ ንዓወታቱ የጋንኖ`ዩ ፡ ገለ ሚድያታት ድማ ናይ ሓሶት ወረ ተተሓሒዘንኦ ኣለዋ ይብል። ወሃቢት ቃል ኣቢይ ቢለነ ስዩም፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝግበር ዝተወሃሃደ ናይ ሚድያ ፕሮፓጋንዳ ይንህር ኣሎ፡ ይኹን`ምበር ኢትዮጵያ ብዓወት ክትሓልፎ`ያ ኢላ- ከም ጸብጻብ ሮይተርስ

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:00 0:00


XS
SM
MD
LG