ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓለም ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝሞቱ ሰባት 5 ሚልዮን ምብጽሑ ተገሊጹ


ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዓለም ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝሞቱ ሰባት 5 ሚልዮን ምብጽሑ ተገሊጹ ።ሎሚ ሶኑይ በዝሒ ዝሞቱ ሓሙሽተ ሚሊዮንን 425 ተመዝጊቦም ኣለው።

ኣብ ወርሒ ሰነ በዝሒ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሚሊዮን ተመዝጊቦም ኔሮም።ገለ ሃገራት ንዜጋታተን ክታበት ንምቕራብ ኣብ ዝቃለሳሉን ካልኦት ሃገራት ድማ መሓየሊ ቡስተር ክታበት ምሃብ ኣብ ዝጀመራሉ እዋን እዩ እዚ ሓዱሽ ኣሃዝ ዝወፅእ ዘሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ሮም ንዝተኣከቡ መራሕቲ ጉጅለ20 ኣብ ዝለኣኾ ቅሉዕ ደብዳበ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ሃገራት ዘሎ ኣፈላላይ ቀረብ ክታበት ትኹረት ሂብሉ'ሎ።

እቲ መግለፂ ውድብ ጥዕና ዓለም "ኣብ ሃብታምን ዝተሓተ ኣታዊ ዘለወንን ሃገራት ዘሎ ናይ ክታበት ፍትሓውነት ኣፈላላያት ንናይ ዓለምና ኣዚየን ድኻ ሃገራትን ኣዚዮ ንዝተቓልዑ ሰባት ህይወት ዘይምግዳስ እዩ ዝሕብር’’ ይብል ።

XS
SM
MD
LG