ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዘለው ፋብሪካታት ከሰል ከይምውሉ ተሰማሚዖም


ንኽልተ መዓልታት ኣብ ከተማ ሮም ኢጣልያ ዝተኣከቡ መራሕቲ ጉጅለ20 ክሳብ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ካብ ካርቦን ነፃ ንምዃን ንምስራሕ ብምስምማዕ ኣብ ወፃኢ ሃገር ንዘለው ናይ ከሰል ፋብሪካታት ምምዋል ደው ንምባል ብምስምማዕ አኼብኦም ትማሊ ሰንበት ዛዚሞም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ማሪዮ ድራጊ "ኣብ ቅድሜና ቀሊል ምርጫ ይፅበየና ኣሎ፤ሕጂ ስጉምቲ ምውሳድ ወይ ድማ ዳሕራይ ምጥዓስ እዩ’’ ኢሎም።

እዚ 19 ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳ ሓቒፉ ዝሓዘ ደንበ ልዕሊ ሰለስተ ትርብዒት ዝኸውን ናይ ዓለም ዋዒ ዝሕዝ ጋዝ ናብ ኣየር ዝሰዳ ሃገራት ዝሓዘ'ዩ።

መራሕቲ ጉጅለ20 ኣብቲ ዋዕላ ዓለምለኸ ዋዒ ኣብ 1.50c ክድረትን ትርጉም ዘለዎን ውጽኢታዊን ስጉምቲ ክውሰድን ኣብ ወፃኢ ሃገር ንፋብሪካታት ከሰል ብገንዘብ ምምዋል ከብቅዕን ቃል ኣትዮም ኣለው።ምህርቲ ከሰል ኣብ ውሽጢ ሃገር ጠጠው ኣብ ምባል ግን ኣይተሰማምዑን።

ኣብ ለውጢ ኩነታት ኣየር ጭቡጥ ስጉምቲ ክውሰድ ዝንቐሳቐሱ ተሓለቕቲ ከባቢ ግን ግን ጥርጣረ ኣለዎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብሰንኪ ኮቪድ19 ንሓደ ዓመት ዝተናውሐ ናይ ሕቡራት v መበል 26 ዋዕላ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ግላስገው ስኮትላንድ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ።

ዝለዓለ ጠመተ ዝወሃቦም ኣጀንዳታት ናይ ፓሪስ ስምምዕ ምዝዛምን ዝማዕበላ ሃገራት ዘየማልእኦ መፅብዓ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብደሆታት ለውጢ ኩነታት ኣየር ክምክታ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ምሃብ ሓዊሱ ይርከቡዎም።

እቲ ኮንፈረንስ ይካየድ ዘሎ ዓለም ምስ ለውጢ ኣየር ብዝተኣሳሰረ ተኸታታሊ ሓደጋታት ኩነታት ኣየር ማለት እውን ካብ ከቢድ ውሑጅ ክሳብ ሓደገኛ ባርዓት ሓዊ የጋጥማ ኣብዘለሉ እዋን እዩ።

እቲ ዋዕላ ኩነታት ኣየር ዝካየድ ዘሎ ኣብ ሮም ኢጣልያ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ብቁጠባ ዝማዕበላ ጉጅለ20 ኣብ ኩነታት ኣየር ውሳነታት ድሕሪ ምሕላፎም እዩ።

XS
SM
MD
LG