ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ንሽዱሽተ ዲፕሎማት ካብ መዝነቶም ኣባሪሩ


ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ኣብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን
ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ኣብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን

መራሒ ወተሃደራዊ ጁንታ ሱዳን ንተግባር ዕልዋ ሲቪላዊ መንግስቲ ዝተቓወሙ ሽዱሽተ ኣምባሳደራት ካብ መዝነቶም ኣባሪሩ፡ ።

መንግስታዊ ተለቪዥን ሱዳን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ፈነወኣ፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሓን፡ ኣብ ኣመሪካ: ሕብረት ኤውሮጳ: ቻይና: ቐጠርን ፈረንሳን ንዝተመደቡ ኣምባሳደራቱ ካብ ስርሖም ከም ዝኣለዮም ኣፍሊጣ`ላ።

ብኻልእ ወገን፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ሱዳን ቮልከር ፐርቲስ ትማሊ ኣብ ካርቱም ምስ ጀነራል ቡርሓን ተራኺቡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ምዕባለታት ተዘራሪቡ`ሎ። ብመሰረት ሓበረታ ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዱጃሪክ ሕቡራት ሃገራት ምምላስ መስርሕ ምስግጋር ክርኢ ከምዝደሊ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኩሎም ድማ ክፍትሑ ንሓትት ምባሉ ተሓቢሩ'ሎ ።

ባንኪ ዓለም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ኣብ ዝከታተለሉ እዋን ንሱዳን ዝግበር ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከም ዘደስከሎን ሓዲሽ መስርሕ ምደባ ገንዘብ`ውን ደው ከም ዘበሎን ኣፍሊጡ`ሎ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ንሱዳን መዲብዎ ዝነበረ $700 ሚልየን ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከም ዘደስከሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ክዝቲ ዝተኣከበ ባይቶ ጸጥታ ዛጊት ነቲ ዕልዋ ዝኹንን ዘውጽኦ መግለጺ የለን። ከም ሩስያን ቻይናን ዝበላ ገለ ኣባላት፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝተፈጸመ ኩነታት ብሓቂ ዕልዋ ተባሂሉ ክግለጽ ዝግባእ ድዩ ዝብል ሕቶ የስምዓ`ለዋ። ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ጣልቃ ክኣትዋ የብለንን ዝብል ስምዕታ`ውን የቕርባ`ለዋ። ኣባል`ቲ ባይቶ ዝኾነ ኬንያ ብወገና፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ናይ ሱዳን ጉዳይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ከም ዝተታሕዘ ከፍልጥ ተስፋ እገብር ኢላ`ላ።

ብኻልእ ወገን መሓዙት ጉጅለ ሱዳን ዝብሃላ ሆላንድ፣ ስጳኛ፣ ስዊድን፣ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብአን ድማ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝተገብረ ወተሃደራዊ ምቁጽጻር ብትሪ ኮኒነንኦ ኣለዋ።

ሎሚ ኣብ ካርቱም ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበረታ፡ ብሰንኪ ጽኑዕ ሓለዋ፡ ዜጋታት ካብ ቦታ ናብ ክንቀሳቐሱ`ውን ገና ኣጸጋሚ`ዩ ዘሎ ይብል። እቲ ጋዜጠኛ ወሲኹ ጀነራል ኣል ቡርሓን፡ ሉኣላዊ ቤት ምኽርን ሲቪላዊ ካቢነን ከቕውም ሱዳናውያን ይጽበዩ`ለዉ ይብል። ጀነራል ቡርሓን ግን እቲ ተግባር ዕልዋ መንግስቲ ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብቲ ካቢነ ሰለዘይኣቱ ምባሉ ጸብጻባት ይገልጹ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ካብ ስልጣኑ ዝወረደን ካብ ቀይዲ ዝተፈትሐን ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ብስልኪ ከምዝተዘራረበን፡ ብምፍትሑ ከም ዝተሓጎሰ፡ እንተኾነ ግን ኣመሪካ፡ ሱዳን ብሲቪል ናብ ዝምራሕ ስግግር ደሞክራሲ ክትምለስ ከም እትደሊ ምግላጹ ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ሓቢሩ`ሎ።


ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ቡርሓን፡ ንሉኣላዊ ቤት ምኽርን ነቲ ብቀ/ሚ ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕን መንግስቲን ዘፍረሶ፡ ከም ቃላቱ፡ ነቲ ኣንጸባራቒ ዝበሎ መስርሕ ለውጢ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ ሸቱኡ ዝሃርም ንምዕቃብ`ዩ።


ሕጂ ዝበጸሓና ዜና ከም ዘምልክቶ ድማ፡ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብ25 ጥቅምቲ ዝተፈመጸ ዕልዋ ኣትሪረን ብምኹናን ንስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ክንፊ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምለስን ብመሰረት መሰጋገሪ ቅዋም’ታ ሃገር ክቕጽልን ጸዊዐን ኣለዋ።


ድጋፈን ንህዝቢ ሱዳን ዝገለጻ ኣባላት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ፡ ብዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባት ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብን ዝካየድ ዘሎ ፈተነታት ዘተ ብምድጋፍ፡ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ይከታተለኦ ምህላወን ኣመልኪተን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG