ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና፡ ታይዋን ናብ ሕቡራት ሃገራት ክትጽንበር መሰል የብላን ኢላ


ኣብ ጀነቫ ታይዋን ኣብ ሕ/ሃ ዘይምእታዋ ዝቓወም ሰልፊ 2017
ኣብ ጀነቫ ታይዋን ኣብ ሕ/ሃ ዘይምእታዋ ዝቓወም ሰልፊ 2017

ቻይና፡ ታይዋን ናብ ሕቡራት ሃገራት ክትጽንበር መሰል የብላን ኢላ። ቻይና ከምኡ ዝበለት፡ ኣመሪካ፡ እታ ደሞክራሲያዊት ደሴት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝዓበየ ተሳትፎ ይግባእ ድሕሪ ምባላ`ዩ።

ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንቻይና ኣብ ሕቡራት ሃገራት መንበር ሂቡ ንታይዋን መንበር ብምኽላእ ድምጺ ዝሃበሉ 50 ዓመት ምኽንያት ብምግባር መግለጺ ዝሃበ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ታይዋን ካብቲ ዓለማዊ ኣካል ተገሊላ ምቕጻላ ዘጣዕስ`ዩ ኢሉ።

ቻይና ንታይዋን ናብ ሓድነት ክትምለሳ`ያ ትጽበያ ዘላ፡ ክሳብ ብሓይሊ`ውን ክመልሳ`የ ትብል`ያ። ታይዋን ክሳብ ሎሚ ሽሕ`ኳ በይና ክትከውን ብዙሕ ጻዕርታት እንተገበረትኣብ 1949 መንግስቲ ቻይና ኣብ ኩናት ሕድሕድ ቻይና ብኮሚንስት ፓርቲ ምስ ተሳዕረ ናብ ታይዋን ሃዲሙ ድሕሪኡ ግን ኣካል ግዝኣት ቻይና ኮይና ክትቅጽል ተበይኑላ ።

XS
SM
MD
LG