ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳ: ን129 ዓመታት ኣብ ሃገራ ዝጸንሓ ቅርስታት ናብ ቤኒን ክትምልስ'ያ


ፈረንሳ ኣብ ቤተ መዘክራት ኣውሮጳ ሳዕቤን ክህልዎ ዝእመን ውሳነ ንምምላስ ቅርስታት ናብ ቤኒን ቕድሚ ምክያዳ ነቶም 26 ሓድግታት ንምርኢት ኣቕሪባ።

ካብ ዕንፀይቲ ብኣምሳል ሰብ ዝተሰርሐ ሓውልቲ፣ናይ ንጉሳዊያን ዙፋናትን ዝኣመሰሉን ቅርስታት ብሰራዊት ፈረንሳ ኣብ መበል ፩19 ክፍለ ዘመን ካብ ምዕራባዊት ኣፍሪቃ ቤኒን ዝተወስዱ እዮም።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ 2017 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ዝዓበየ ክፋል ባህላዊ ሓድግታት ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ፈረንሳ ይርከቡ’’ ድሕሪ ምባል ነዚ ድማ ንሶም ከምዘይቕበሉዎ ብምግላፅ ፈረንሳ ኣብ ሕሉፍ ዝተሰርሑ ጌጋታት ሎሚ ክትእርሞ ኣለዋ ኢሎም ነይሮም።

ፈረንሳዊያን ነቶም ታሪኻዊ ሓደግታት ንመወዳእታ ግዜ ካብ 26 ክሳብ 31 ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ቤተ መዘክር 'ዱ ኳይ ብራንሊ ዣክ ሺራኽ' ክሪኢዎም እዮም።

ናይ ፈረንሳ ቤተ መዘክራት ጥራሕ ካብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካቃዝተወሰዱ እንተወሓደ 90,000 ቅርስታት ሒዞም ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG