ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወሃቢ ቃል ህወሓት: ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ምጅማሩ ምግላጾም ሮይተርስ ሓቢሩ


ፋይል
ፋይል

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንገዛእ ርእሶም“ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ኢሎም ዝጽውዑ ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ እዮም ዝብሎም ሓይልታት ሎሚ ሶኑይ ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ምፍናው ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንሮይተርስ ብቴሌፎን ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ብምትሕብባር ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ኣምሓራ ንምውፃእ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ኣለው ኢሎም።

ሮይተርስ ንናይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ መግለፂ ብነፃ ወገን ኣይረጋገፆን።

መጥቓዕቲ ተፈፂሙ እንተኾይኑ ዝተሓተታ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝኾና ቢልለኔ ስዩም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ'ታ እታ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታቱ ካብ ተግባራት ግብረ ሽበራ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለዎ ክብላ መሊሰን።

ንሰን ተወሳኺ መብርሂ ከይሃባ"መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ከባቢታትን ንዝፍፅሞ ዕንወት፣ህውከትን ቅትለትን ምምካቱ ክቅፅል እዩ’’ ኢለን ።

ቤት ፅሕፈት ኣቶ ጌታቸው ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ"11 ጥቅምቲ ንጉሆ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራ ብምትሕብባር ኣብ ኩሎም ግንባራት ዝተዋደደ መጥቓዕቲ ፈፂሙ ኣሎ’’ኢሉ ።እቶም ሓይልታት ኣብ ወገልጤና፣ውርጌሳን ሃሮን ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ናይ ውግእ ነፈርቲ፣ ድሮናት፣ ታንክታትን ተወንጨፍቲ ሮኬታትን ምጥቃሞም እቲ መግለፂ ሓቢሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG