ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውሱናት ወሃብቲ ኣገልግሎት ቴክሳስ ኣገልግሎት ምንጻል ጥንሲ ቀጺለን


ፈደረላዊ ዳኛ፡ ነቲ ኣዝዩ ኣከራኻሪ ዝዀነ፡ ንሕጋዊ ምንጻል ጥንሲ ዝድርት ኣዋጅ ክጸንሕ ድሕሪ ምውሳኑ ሽዱሽተ ክሊኒካት ቴክሳስ ኣገልግሎት ምንጻል ጥንሲ ምሃብ ጀሚረን። ሓያሎ ሓካይም ግን እቲ ምቍራጽ ግዜዊን ውሕስነት ዘይብሉን ኢሎም ስለ ዝኣመኑ፡ ዳግም ጥንሲ ክሰዱ ድፍረት ኣይረኸቡን።

ዳኛ ሮበርት ፒትማን፡ ነቲ ካብ ፈለማ መስከረም ጀሚሩ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ሃጓፋት ኣለዎ ኢሉ ክጸንሕ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ብሓሙስ ብውሑዱ ሽዱሽተ ክሊኒካት ኣገልግሎት ጥንሲ ምንጻል ክጅምራ ተጓይየን። እቲ ንምስዳድ ጥንሲ ዝኽልክል ዝተረረ ሕጊ ተባሂሉ ዝጥቀስ ኣዋጅ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙን፡ ድቂ፡ ንኸይስደድ ዝኽልክል’ዩ።

ሽዱሽተ ሰሙናት ሓያሎ ኣንስቲ ምጥናሰን’ውን ዘይፈልጣሉ እዋን ብምዃኑ፡ ነቲ ኣዋጅ ንምውዳቑ ቅድሚ ሕጂ ሓያሎ ፈተነታት ተግይሮም፡ ዛጊት ግን ኣይተዓወቱን። ዳኛ ሮበርት ኣብ ዘቕረቦ 113 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ ግን እቲ ሕጊ ንቅዋም ሃገረ ኣመሪካ ዝጥሕስን ንመሰል ውሳነ ሰብ ዝግህስን ብምዃኑ ውዱቕ’ዩ ክብል መጒቱ ኣሎ።

እቲ ኣዋጅ ንዘልኣለም ድዩ ውዱቕ ክኸውን ወይስ ዓቃባውያን ሓገግቲ ቴክሳስ ነቲ ዝቐረበ ምጕት ዝረትዕ ካልእ ምጕት ከምጽኡ ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን። ስለዚ ከኣ’የን ገለ ክሊኒካት ነታ ተፈጢራ ዘላ ዕድል ተጠቒመን ኣገልግሎት ክህባ ክቀላጠፋ እንከለዋ፡ ካልኦት ግን ገና ውሑስ ምቍራጽ ኣይኰነን ብዝብል ምጕት ክጸንሓ መሪጸን ኣለዋ። ብመሰረት ወሃቢት ቃል ነቲ ሕጊ ዘሕለፈ ኣማሓዳር ቴክሳስ ግረግ ኣቦት፡ “ናይቲ ክፍለ፡ሃገር ናይ መጨረሽታ ይግባይ ሰማዒ፡ ንነፍሲ፡ወከፍ ትርግታ ልቢ ዘለዎ ፍጡር ናይ ምንባር መሰሉ ክሕልወሉ፡” ተስፋ ከም ዘለዋ ተዛሪባ ኣላ። ብኻልእ ቋንቋ ነቲ ናይ ምቍራጽ ውሳነ ዳኛ እቲ ግዛኣት ክምጕቶ ይቀራረብ ምህላዉ’ዩ።

ኣብ ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ኣገልግሎት ምንጻል ጥንሲ ዝህባ ዝነበረ በዚ ኣዋጅ ዝተዓጽዋ ወሃብቲ ኣገልግሎት ልዕሊ ዕስራ ምንባረን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ የመልክት።

ኣብ ፈለማ ወርሒ መስከረም ኣብ ተግባር ዝወዓለ ሕጊ ቴክሳስ፡ ጥንሲ ንዝሰደደት ኣደ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምስዳድ ጥንሲ ንዝተሓባበረ ሰብ’ውን ክሳብ 10፡ሽሕ ዶላር ዝኸይድ መቕጻዕቲ ዝብይን’ዩ።

ሓያሎ ተጣበቕቲ ነቲ ሕጊ ንምውዳእ ጻዕርታት ክገብሩ ደኣ ይጽንሑ እምበር ኣይተዓወቱን። ገለ ተጣበቕቲ መሰላት ከኣ ጥንሲ ክሰዳ ንዝደልያ ነባሮ ቴክሳስ ኣደታት ናብ ካልኦት ግዝኣታት ብምልኣኽ ነቲ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይተሓጋገዛ ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG