ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ክልከላ ኮሮና ዝፈጠሮ ሓድሽ ምብልሓት


ኮቪድ-19፡ ንተማሃሮ ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ኣብ ክፍሊ ኣቲኻ ካብ ምውሳእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንኮላይ ካብ ቤተ-ምርምር (ላባራቶሪ’ዩ) ሓጺሩዎም። ዩኒቨርስቲ ጆሃንስበርግ ግን ነዚ ሓጹር’ዚ ብኻልእ መገዲ’ዮም ክፍተሑዎ ዝፍትኑ ዘለዉ። ነቶም ናብ ቤተ-ምርምር ክኸዱ ዘይከኣሉ ተመሃሮ ድማ ናብ ገዝኦምን ናይ ኢድ ተለፎኖምን መጺኡዎም ኣሎ።


ኣብ ቅድሚ ዓቢ ናይ ቴለቪዥን ስክሪን፡ ኣብ እዝኖም መስምዒ (ሄድ-ሰት) ለቢሶም ዝረኣዩ ተመሃሮ ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጸወታ ኮምፕዩተር ዘለዉ’ዮም ዝመስሉ። እቲ ሓቂ ግን ኣብ ጸወታ ዘይኰኑስ ፍልጠቶም ኣብ ምዕባይን ኣብ ምርምርን’ዮም ዘለዉ።

እቲ ንኽውንነት ብምስሊ ዘዋስብ (ማለት ናይ ቪርቹዋል ሪያሊቲ) ናይ ማዕዶ ክፍሊ ምርምር ዩኒቨርስቲ ጆሃንስበርግ፡ ተመሃሮ ንተመሃሮ ብዛዕባ ቫይረስን ዋህዮታትን ንኽምርምሩ ዘኽእል’ዩ።

ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ናይ ዶክተረይት ተመሃሪት ማፎር ፐን እቲ ተኽእሎ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ትዛረብ። ተመሃሮ ብቐረባ ክምርምሩ፡ ንተኽእሎታት ደቀቕቲ ህዋሳት መላሊሶም ክፍትሹን ፍልጠቶም ከዕምቑን ከም ዝሕግዝ ትነግር። ንቤተ-ምርምር ብኸምኡ ዝመስል መገዲ ምቕራብ ድማ፡ ተመሃሮ ምስ ሕጽረት ግዜ ኣብ ቤተ-ምርምር ክገብሩዎ ዘይክኣሉ ዝነበሩ፡ ሕጂ መላሊሶም ክፍትሹ ሓጊዙዎም ኣሎ።

ቅድሚ’ቲ ኮቪድ-19 ዝፈጠሮ ክልከላ’ውን ቤተ-ምርምር ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ጽበትን ሕጽረት ግዜን ንተመሃሮ ምሉእ ዕድል ዝህብ ኣይነበረን።

እዚ ሕጽረት’ዚ ግን ሎሚ ብሳላ ተኽእሎታት ቴክኖሎጂ ተፈቲሑ’ዩ።

ዩኒቨርስቲ ጆሃንስበርግ፡ ኣሰር ኩባንያ ጉጉል ብምኽታል፡ ነቲ ናይ ቪርቹዋል ሪያሊቲ መሳርሒ ከፍርዮ ክኢሉ’ዩ። ዋጋ ነፍሲ-ወከፍ መስምዒ (ሄድ-ሰት) ድማ ትሕቲ ዕስራ ዶላር ኣመሪካ’ዩ ዝውድእ።

ተመሃራይ ሳልሳይ ዓመት ዝዀነ ዛከለ ምሻሊ እቲ ፈጢሩሉ ዘሎ ሓድሽ ተኽእሎ ግዜን ጉልበትን ንክቑጥብ ከም ዘኽኣሎ ይሕብር። እቲ ዝደልዮ ምርምር፡ ኣብ ገዝኡን ኣብ ዝደልዮ ሰዓትን እሞ ከኣ ክንዲ ዝደልዮ ግዜን ክምርምር ሓጊዙዎ’ዩ ብኣበሃህላ ዛከለ።

እቲ ሓድሽ ናይ ቪርቹዋል ሪያሊቲ ንተመሃሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብቐረባ ክምርምሩን ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎም ኣፍልጦን ፍቕሪን ንኸዕብዩን ዝሕግዝ’ዩ። ብሕልፊ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ተመሃሮ ድማ እቲ ተኽእሎ ምርምር ከካይዱን ምስ መምሃራኖም ዝቐለለ ምውሳእ ክህሉዎምን ከኽእል ትጽቢት ይግበሮ።

እዚ ሓድሽ ምርምር፡ ብሰንኪ ክልከላ ኮቪድ-19 ዝመጸ ምብልሓት ደኣ ይዅን እምበር፡ ኩነታት ናብ ንቡር ምስ ተመልሰ’ውን ገና ክቕጽል’ዩ።

ንመሳርሒ ቪርቹዋል ሪያሊቲ ዘፍረየ ዩኒቨርስቲ ጆሃንስበርግ፡ እቲ ፍርያት ናብ ኩለን ህዝባውያን ኣብያተ-ትምህርቲ ዝባጽሓሉ መገዲ ኣብ ምንዳይ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ መደብ ዕዉት እንተ መሲሉ ድማ ናብ ምሉእ ሃገር፡ ከምኡ ኢሉ ድማ ናብ ምሉእ ኣፍሪቃ ክባጻሕ ከኣ እቶም ኣፍረይቲ ሰብ ተስፋ’ዮም።

XS
SM
MD
LG