ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረሲደንት ዩኤስ ጆ ባይደን፡ ኣብ ልዕሊ ተሓተቲ መጥቃዕቲ ካቡል- ኣፍጋኒስታን፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ`የ ይብል


Biden moment of silence
Biden moment of silence

ፕረሲደንት ዩኤስ ጆ ባይደን፡ ኣብ ልዕሊ ተሓተቲ መጥቃዕቲ ካቡል- ኣፍጋኒስታን፡ ስጉምቲ ከምዝወስዱ ሓንሒኖም። ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 13 ወተሃደራት ኣመሪካን ብዙሓት ሲቪላትን ተቐቲሎም`ዮም። ፕረሲደንት ባይደን፡ ባንዴራ ኣመሪካ ትሕት ኢላ ክትንብልበል` ውን ኣዚዞም ኣለዉ።

ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል `ዩ - ኣብ ኣፍጋኒስታን -ትማሊ ሓሙስ-ካብ ጣሊባን ንምህዳም ካብታ ሃገር ክወጹ ዝደልዩ ሰባት ኣብ ዝተኣከብሉ ሰዓት- ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ሓንቲ ረፍዲ ተቐቲሎም- በቲ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ። ካብ መንጎኦም 13 ወተሃደራት ኣመሪካ `ዮም። ፕረሲደንት ባይደን ካብ ዋይት ሃውስ ንህዝቢ ኣመሪካ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቶም ነቲ ጭካነ ዝመልኦ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ- ዋግኦም ክረኽቡ`ዮም ክብል ሓንሒኑ`ሎ፡

“ነቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ፡ ወይ ዝኾነ ንኣመሪካ ክጎድእ ዝደሊ- ክፈልጦ ዘለዎ ነገር፡ ይቕረ ኣይክንብለሉን ኢና- ኣይክንርስዖን ኢና- ክንሃድነኩም ኢና-ዋጋ ከም ትኸፍልሉ ክንገብር ኢና። ንረብሓታትናን ህዝብናን ንምሕላው ኩሉ ኣብ ትእዛዘይ ዘሎ ስጉምትታት ክጥቀም`የ” ክብል ኣሰሚዑ`ሎ ባይደን።

ነቲ መጥቃዕቲ ካቡል ዝፈጸምኩ ባዕለይ`የ ዝበለ ዳዕሽ፡ ሓላፍነት ወሲዱ`ሎ። ባይደን ሕጂ ወተሃደራዊ ኣዘዝቱ፡ ንትካላትን መሪሕነትን ዳዕሽ ንምህራም ዘኽእል ስርሒት ከዳልዉ ኣዚዙ`ሎ።

“ኣብ ዝመረጽናዮ ቦታን ግዜን ንጹር ዒላማት ዝወቅዕ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና። ክትፈልጥዎ ዝግባእ እዞም ኣሸበርቲ ዳዕሽ ኣይክዕወቱን`ዮም። ኣመሪካውያን ካብ ካቡል ክነውጽኦም ኢና ። ኣፍጋናውያን መሳርሕትና`ውን ክነውጽኦም ኢና- ስለዚ ተልእኮና ክቕጽል`ዩ” ክብል ኣስዒቡ ፕረሲደንት ባይደን።

በቲ ትማል ሓሙስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 90 ኣፍጋናውያን ተቐቲሎም`ዮም- ካብታ ሃገር ንክወጹ ዝጽበዩ ዝነበሩ። ጣሊባን`ውን ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒንዎ`ሎ።

ጆ ባይደን ትማሊ ባንዴራ ኣመሪካ ትሕት ኢላ ክተንበልብል ኣዚዙ`ሎ- ክሳብ ነሓሰ 30፡ ንኽብሪ``ቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ 13 ወተሃደራት ኣመሪካ።

ሎሚ ኣብ ካቡል- እቲ በቲ መጥቃዕቲ ሃዲሙ ዝነበረ ህዝቢ ዳግም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ተመሊሱ`ሎ- እቲ ናይ ምውጻእ መስርሕ ድማ ቀጺሉ ወዒሉ`ሎ። እቲ መስርሕ ምውጻእ ካብ ዝጅምር- ልዕሊ 100 ሺሕ ኣፍጋናውያን ካብታ ሃገር ወጺኦም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG