ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ኣፍጋኒስታን፡ እቲ ዝያዳ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ምግዓዝ ዜጋታትን ኣንፈት ጕዕዞ ጣሊባንን


ኩነታት ኣፍጋኒስታን ቅልጡፍ ምቅይያር ኣብ ዝገበረሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ዝያዳ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ምግዓዝ ዜጋታትን ኣንፈት ጕዕዞ ጣሊባንን’ዩ።

ኩነታት ኣፍጋኒስታን ካልኦት ሃገራት ምስ ጣሊባን ብዝገብሩዎ ዘለዉ ዝምድና ኮነ ምትፍናን ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ዘሎ’ዩ። ክሳብ ሎሚ 26 ነሓሰ ተፈሊጦም ዘለዉ ዓበይቲ ፍጻመታት እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይከኣሉ፤

ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ኣውስትራሊያን፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ ከባቢ ማዕርፎ-ነፈርቲ ካቡል መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራ ከጓንፍ ስለ ዝኽእል የጠንቅቓ ኣለዋ። ሓደ ካብቲ ነዚ ሻቕሎት ኣግዲዱ ዘሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ማዕርፎ-ነፈርቲ ድሮ ኣጓኒፉ ዘሎ ምፍንጃር ቦምባ’ዩ። ዛጊት ፈጸምቲ 'ቲ ምፍንጃር ቦምባ ደኣ ኣይፈለጡ እምበር፡ ከም ዘጋጠመስ ብወገን ምክልኻል ኣመሪካ (ፐንታጎን)’ውን ተረጋጊጹ ኣሎ። በዚ ዝተሻቐላ ኣመሪካ፡ ብሪጣኒያን ኣውስትራሊያን ዜጋታተን ኣብ ከባቢ ማዕርፎ-ነፈርቲ ካቡል ብዛዕባ ክግበሩዎ ዝግበኦም መጠንቀቕታት የመሓላልፋ ኣለዋ።

ካብ ንጥፈታት ማዕርፎ-ነፈርቲ ካቡል ከይረሓቕና፡ ካብ 14 ነሓሰ ኣትሒዛ፡ ኣመሪካ 95,700 ዜጋታት ካብ ኣፍጋኒስታን ከም ዘውጽአት ካብ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝወጸ መግለጺ የነጽር። ብኣገላልጻ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ግን፥ ገና ኣስታት 1,500 ዝኾኑ ዜጋታት ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉ ይግመት። ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ብወገና፡ እቲ ናይ ምግዓዝ ስራሕ ኣዝዩ ሓደገኛ ደኣ ይዅን እምበር፡ መንግስቲ ኣመሪካ ግን ዝከኣሎ ይገብር ከም ዘሎ ወሲኻ።

ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተን ከውጽኣ ክጓየያ ምቕናየን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሃንጋሪ፡ በልጂዩምን ፖላንድን ዜጋታትን ኣግዒዘን ከም ዝወድኣ ክገልጻ እንከለዋ፡ ፈረንሳይ ግን ናይ መጨረሽታ በረራ ንዓርቢ ሰሪዓ ኣላ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብዚ ናይ ምግዓዝ መስርሕ እቲ ዝኸፍአ ስራሕ ዝዓሙ ዘለዉ ኣብረርቲ ነፈርቲ ማለት (ፓይሎታት’ዮም)። ምስ ሕንፍሽፍሽ ማዕርፎ-ነፈርቲ፡ ምዕናው መሐበሪታትን ተደጋጋሚ ምእታው ተጓዓዝቲ ኣብ መብረሪ መስመርን፡ ኣብረርቲ ኣዝዩ ኣጨናቒ ስራሕ ይዓዩ ከም ዘለዉ ይሕብሩ'ለዉ።

XS
SM
MD
LG