ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባብታት ካብ ኣሸባሪ ሕወሓት ናጻ ኣውጺአ ይብል፡ ሓይልታት ትግራይ ድማ በንጻሩ'ዩ ይብሉ


Lalibela town
Lalibela town

ንማዕልታት ብዝተኻየደ ውግእ ካብ ህወሓት ነጻ ወፂኦም ኣብ ዝበሎም ከባቢታትን ከተማታትን ዞባ ደቡብ ጎንደር ንምርግጋእ እናሰርሑ ምዃኖም ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣቶ ቀለመ ወርቅ ምህረቴ ገሊፆም።

ብኻሊእ ወገን ድማ ህወሓት ብርክት ዝበሉ ክፍለ ሰራዊትን ወታደራትን ደምሲሰ ክብል ብቪኦኤ ንዝተመሓላለፈ መግለፂ መልሲ ዝሃቡ ኣቐባሊ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ:ህወሓት ናይ ሕሶት ሓበሬታ ምዝርጋሕ ዝኸተሎ ናይ ውግእ ስልቲ እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ።

ኣምሓዳሪ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣቶ ቀለመወርቅ ምህረቴ ከምዝበሉዎ ህወሓት ሒዙዎም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሕዚ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት መንግስትን ክልል ኣምሕራን ይርከቡ።

ካብ ዕጡቓት ህወሓት ዝሞተ ሞይቱ ዝማረኽ ተማሪኹ እቲ ዝተረፈ ድማ ካብቲ ከባቢ ተሳዒሩ ወፂኡ ኣሎ ኢሎም ።

እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ ህወሓት ከምዝተዓወተ ብምግላፅ ንህዝቢ ትግራይ የታልል ኣሎ ኢሎም።

"ሒዞምዎም ዝነበሩ ንመስመር ዓፋር ተኸቲሎም ንኸተማታት ጋሳኝ ፣ ክምር ድንጋይ ፣ሳሊ ጉብጉብን ንፋስ መውጫን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ፀላኢ ነፃ ወፂኦም ኣለዉ ካብ ኢድ ፀላኢ ንምውፃእ ዳርጋ ሓደ መዓልቲ እዩ ወሲዱ ። እዚ ዘረእዮ ድማ ፀላኢ ብብዙሕ ነገር ፈቲኑ ኣይተሳኸዐሉን፤ ኣብዚ ክፀንሕ ከምዘይኽእልን ዝተሃንጠዋ ደብረታቦር ከምዘይረኽበን ክርዳእ ከሎ ተወቂዑ ዝወፀ ሙዃኑን ዝተማረኹ ድማ ናብ ዝተወሰነሎም ቦታ ተወሲዶም ኣለዉ። "

‘’ህወሓት ፅልእና ምስ መንግስቲ ‘ዩ እናበለ ከደናግር እንተፈተነ እውን ኣብ ዝኣተወን ከተማታት ዝፍፀሞም ተግባራት ሓቃዊ መንነቱ ኣርእዩ ኣሎ’’ኢሎም ኣቶ ቀለመወርቅ።

"ብመዳይ ትካላት መንግስቲ ዝተረፈ ነገር የለን ኣቁሑታት ፀላኢ ወሲዱዎም እዩ ፣ ባንክታትን ኩሎም ትካላት ፋይናንስ ፀላኢ ዘሚቱዎም እዩ።ሕድሕድ ገዛውቲ ውልቀሰባት'ውን ተፈቲሹ ተመስቢሩ እዩ። ካብ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ቀለበት ኢደንን መጋየፅታተንን ተወሲዶም እዮም ።እዚ ኹሉ ብስነስርዓት ተሰኒዱ ኮሚቴ ተጣይሹ ንማሕበረሰብ ዓለምን ዝምልከቶም ኣካላትን ክሪኡዎ ንምግባር ይስረሐሉ እዩ ዘሎ።"

ንባዕሎም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኢሎም ዝፅውዑ ዓብይ ዓወት ምሕፋሶም :ካብ ነሓሰ 13 ስጋብ 15 ኣብ ግንባራት ስሪንቃን ጋሻናን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ዝለዓለ ሰብኣዊ ኪሳራ ብምውራድ ከምዝተዓወቱ ገሊፆም ነይሮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:22 0:00


ሽዱሽተ ክፍለ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያን 11,000 ፍሉይ ሓይልን ሚሊሽያን ክልል ኣምሓራን 3,000 ወታደራት ሪፓብሊካን ጋርድን ከምኡ እውን ሓደ ብርጌድ ኮማንዶን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ማዕልታት ከምዝደምሰሰ ገሊፁ እዩ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ግን ስዕረቱ ንምሽፋን ህወሓት ዝጥቀመሉ ዝተለመደ ሕሶት እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ።

"እዚ ኣሸባሪ ጉጅለ ዝብሎ ዝተለምደ ነገር ኣሎ ብፍላይ ዘይተዓወቱ ክተርፉ ከለዉ፣ ዝሓሰብዎ ነገር ከይተፈፀም ክተርፍ ከሎ ፣ከምዚ ዝበለ ዓይነት ነገር ካብ ምግባር ንድሕሪት ክብሉ ሪኢና ኣይንፈልጥን። መንግስትና በይናዊ ምቁራፅ ተዛብኦ ምስገበረ ይበፅሖም ዝሎ ነገር ይፈልጥዎ እዮም ።ስለዝኾነ ነዚ ንምሽፋን ዝተፈላለዩ ፕሮፖጋንዳታት ምንዘሖም ኣይደንቅ፟ን ፤ ከምቲ ንሳቶም ቀቲልናዮ ዝብልዎ በዝሒ ኣይኮነን ኢትዮጵያ ኣፍሪካ'ውን ክህልዋ ኣይኽእልን ኣይውዳእን :: ናታቶም ሕሶት እዩ ።ንሱ'ውን ንሓንሳብን ንመወዳእታን ጠጠው ክብል እዩ። ነዘን ሒዝናየን ዝብሉወን ዘለዉን ህዝቢ ዝፈናቀለለን ዘለዋን ከተማታትን ንሓዲኤን እኳ ተዋጊኡ ኣይሓዘንን ፕሮፖጋንድኡ ብምንዛሕ ደሓር ብኣካል መፂኡ ይኣቱ ። ናቱ ሕሶታት መልሲ ንምሃብ'ውን ዘሕፍር እዩ ።"

ናይ ሓሶት መረዳእታ ምዝርጋሕ ናይ ህወሓት ናይ ውግእ ስልቲ እዩ ኢሎም እቶም ኣቐባሊ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ።

XS
SM
MD
LG