ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኡጋንዳ ኣስታት ክልተ ሽሕ ኣፍጋናዊያን ስደተኛታት ንምውሳድ ተሰማሚዓ 


Afghans Arrive In Uganda
Afghans Arrive In Uganda

ዩጋንዳ ኣብ ዓለም ዝዓበየ በዝሒ ስደተኛታት ተዕቁብ ዘላ ሃገር ኮይና ብመሰረት ሕቡራት መንግስታት ኣስታት ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚሊዮን ስደተኛታት ተተኣናግድ ዘላ ሃገር እያ 

ታሊባን ንኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቁፅፃሩ ሃዲሞም ንዝወፁ ኣፍጋኒስታናዊያን ዝፀዓነት ነፋሪት ሎማዕንቲ ረቡዕ ኡጋንዳ ኣትያ።ግዚያዊ መዕቖቢ ከምዝውሃቦም ሰበስልጣን መንግስቲ ገሊፆም ኣለው።

ምንስትሪ ወፃኢ ኡጋንዳ ከምዝበሎ ደቂ ተባዕቲዮ፣ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑትን ዝርከቡዎም ሓምሳን ሓደን ኣፍጋኒስታናዊያን ዝፅዓነት ቻርተር ነፋሪት ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ እንተቤ ዓሪፋ ኣላ።ሽዑ ንሽዑ ብኣውቶቡሳት ናብ ሆቴል ተወሲዶም ኣለው።

ሎማዕንቲ ተወሰኽቲ ኣፍጋኒስታናዊያን ክኣትው ትፅቢት ከምዝግበር እቲ ምንስትሪ ገሊፁ ኣሎ።ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ኣፍጋናስታናዊያንን ካልኦት ዜጋታትን ብግዚያዊ ክተዕቖቦም መንግስቲ ኣሜሪካ ብዘቕረቦ ሕቶ ተተኣናግድ ከምዘላ እቲ ምንስትሪ ወሲኹ ሓቢሩ።

ፀብፃባት ሚዲያ ከምዝሓበሩዎ ዩንጋንዳ ኣስታት ክልተ ሽሕ ስደተኛታት ንምውሳድ ተሰማሚዓ ኣላ።ዩጋንዳ ኣብ ዓለም ዝዓበየ በዝሒ ስደተኛታት ተዕቁብ ዘላ ሃገር ኮይና ብመሰረት ሕቡራት መንግስታት ኣስታት ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚሊዮን ስደተኛታት ተተኣናግድ ዘላ ሃገር እያ ።

XS
SM
MD
LG