ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ቅድም ኢሉ ወግዓዊ ዘይኮነ ኣብ ዋና ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ትማሊ ሰሉስ ዑደት ፈፂሞም


እቲ መገሻ ይሳለጥ ዘሎ ናይ ምውፃእ መስርሕ ንምግምጋምን ፕሬዝዳንት ባይደን ምውፃእ ዝተረፉ ወታደራት ኣሜሪካ ፫፩ ነሓሰ ክዛዘም ዘተመጠዎ ናይ ግዜ ደረት ከናውሕዎ ፀቕጢ ንምሕዳርን እዩ ኢሎም ኣለው።

ዴሞክራት ኣባል ኮንግረስ ሴት ሞውልተንን ሪፓብሊካዊ ኣባል ኮንግረስ ፒተር መይጀርን ኣብ ዘውፅእዎ ናይ ሓባር መግለፂ እቲ ዑደት ብምስጢር ከምዝፈፀሙዎ ሓቢሮም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መሻርኽቲ ዩናይትድ ስቴት ዝኾና ሃገራት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታት ንምውፃእ ዘቐመጠቶ ናይ ግዜ ሰሌዳ ካብ ምስዓብ ካሊእ መመራፂ ከምዘይብለን ብምግላፅ ወታደራተን ፫፩ ነሓሰ ከምዘውፅኣ ይገልፃ ኣለዋ።ኩሉ ክወፅእ ዘለዎ ሰብ ክወፅእ ዝኽእል እንተኾይኑ ግን ስግኣት ሓዲሩ ኣሎ።

ብዙሓት ናይ ኔቶ መጣምርቲ ምስኦም ዝሰርሑን ክወፁ ዝደልዩን ኣፍጋኒስታናዊያን ሓዊሱ ዜጋታተን ካብ መዕረፎ ነፈርቲ ካቡል የውፅኣ ኣለዋ።

ኣብዚ ሕዚ ተረኛ ፕሬዝዳንት ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ዝኾነት ብሪታኒያ ብዛዕባ እቲ ቅልውላው ንምዝታይ ትማሊ ሰሉስ ብቨርችዋል ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዓ ነይራ።መራሕቲ ጂ ፯ ናይ ፫፩ ነሓሰ ግዜ ገደብ ክናዋሕ ንፕሬዝዳንት ባይደን ምሕፅንታ እንተቕረቡ እውን ትማሊ ሰሉስ ብቴሌቪዥን ብቐጥታ ኣብ ዝተመይሓላለፈ መደርኦም ዩናይትድ ስቴት ስ ኣብ ዘቐመጠቶ ናይ ግዜ ገደብ ከም እትፀንዕ ሓቢሮም ኣለው።ቀልጢፍካ ምውፃእ ዝሓሸ እዩ ኢሎም

XS
SM
MD
LG