ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በብመድረኹ፤ ንልዕሊ 45 ዓመታት ዝኸደ ዝምድና ዳን ኮነልን ኤርትራን


Dan Connel
Dan Connel

“ካብ 2002 ኣትሒዘ ንኤርትራ ክኣቱ ስለ ዘይከኣልኩ፡ እቶም ስደተኛታት ንኤርትራ ዘራኽቡኒ እንኮ መስኮት’ዮም"

መንእሰይ ዳን ኮነል ኣብ መፋርቕ 1970ታት ንኣፍሪቃ ፈለማዩ ክረግጽ እንከሎ፡ ብሓደ ወገን ምስ ምጕንጻፍ ናጽነት ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርአ ዝነበረ ትስፉው ማሕበራዊ ለውጢ፡ በቲ ካልእ ከኣ ኣብ ኣመሪካ ንዘይረኸቦ ገስጋሲ ምንቅስቓሳት ብቐረባ ክከታተል ኢሉ’ዩ። ንኣሽቱ ዝመስሉ ፍጻመታትን ክስተታትን ግን ንኣንፈት ጕዕዞኡ እናኣማእዘኑ፡ እንሆ ሎሚ ን45 ዓመታት ዝጸንሐ ኪዳን ከም ዝፈጥር ገይሩዎ።

ኣብ ፈለማ 1976 ምስታ ንኮሎነል ቡሹ ገብረ ተኽላ ተመሪሓ ናብ ኣስመራ ዝኣተወት ቃፍላይ’ዩ ኣትዩ። ኣስመራ ምስ ኣተዉ ክራኸቡ ኣዒንቱ ኣውዲቑሉ ዝነበረ ኮሎነል ቡሹ ግን ብፈዳኢን ህዝባዊ ግንባር ንጽባሒቱ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣስመራ እዋን እቶ-እቶ ተኣዊጁዋ፡ ንዳን ኮነል መንፈሳ ዝሃደመትን ከተማ’ያ ተቐቢላቶ።

እቲ ፈለማ ዝተቐበሎ ጽምልው ገጽ ኣስመራ ግን ተስፋ ኣየቝረጾን። ዝበዝሕ ኣብቲ ኣብ ምቍጽጻር ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ቦታታት ደኣ ይዅን እምበር ክሳብ 2002 ልዕሊ 15 ግዜ ተመላሊሱ ኣሎ። ክንድኡ ምምልላስ ጥራይ ዘይኰነስ ንኤርትራ፡ ቃልሳን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ መስገደልን ኣመልኪቱ ዛጊት ሽዱሽተ መጽሓፍቲን ኣማኢት ዓንቀጻት ጽሒፉ ኣሎ። ኣብ ሓያሎ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜናታት ብቐጻሊ እናጸሓፈ ንሰውራ ኤርትራ ዓለማዊ ኣፍልጦ ንኽረክብ መሪሕ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ሓደ’ዩ። እቲ ካብ ሜዳ ናጽነት ዳሕራይ ድሕሪ ናጽነት ንኤርትራን ገስጋስን ኣመልኪቱ ዝጽሕፎ ዝነበረ ዓንቀጻት ኣብ 2003 ከምኡ’ውን 2004 ብኣሕታሚ ረዲ ሲ ፕረስ Taking on the Superpowers ከምኡ’ውን Building a New Nation ብብዝል ኣርእስቲ ብመጽሓፍ ተሰናዲኡ ኣሎ።

እታ ልዕሊ ኵለን ስሙያቲ መጽሓፍ ዳን ኮነል ግን Against All Odds: A Chronicle of the Eritrean Revolution ብዝብል ኣርእስቲ ፈለማ ኣብ 1993፡ ዳሕራይ ካልኣይ ሕታም ኣብ 1997 ሕጂ ድማ ንሳልሳይን ነቲ ሕሉፍ ብሓድሽ ርእየት ዝጠመተን ሕታም ኣብ 2021 ወጺኣ ዘላ’ያ። እዛ መጽሓፍ ሰውራ ኤርትራ ማሕበራዊ ለውጢ ሕብረተሰብ ኣበጊሱ፡ ከመይ ኣቢሉ ነቲ ቃልሲ ንናጽነት ኪንዮ መሰል ሓርነት ምጕንጻፍ፡ ቃልሲ ንማሕበራዊ ፍትሒን ኵለንትናዊ ድንፋዐ ሕብረተሰብን ከም ዝገበሮ ብደቂቕ እተርኢ’ያ።

ቀዳም 21 ነሓሰ ኣብ ክሊቭ-ላንድ ዝተሰምየ ህዝባዊ ቤት ንባብ ዋሺንግተን ዲሲ ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝጸንሐ ወግዒ እምበእር መላልዪ ጽንብል እዛ ሳልሳይ ሕታም’ዚ መጽሓፍ’ዩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዳን ኮነል፡ ምስ ኤርትራ ዘተኣሳስሮን ክንዲ ዝረሓቐ እንተኸደ’ውን ወትሩ ዝመልሶን ኣጋጣሚታትን ምዕባለታትን’ዩ ፈለማ ዘርዚሩ።

ድሕሪኡ ካብ ተሳተፍቲ ዝመጾ ዝነበረ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ኣትዩ። ካብቲ ብተደጋጋሚ ዝሕተቶ ዝነበረ ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣመና ዝጠበቐ ዝምድና ስለ ዝነበሮ ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መርገጺ ኣምልኪቱ’ዩ ነይሩ። ዳን እቲ ነቕፌታ ከም ዝቕበሎ ድሕሪ ምንጋር፡ ኣብ እዋኑ እኹል ግንዛበን ክመሚ ናይ ምኽኣልን ዕድልን ከም ዘየነበሮ ብግልጺ ተዛሪቡ።

ድሕሪ’ቲ ናይ መላልዪ ኣጋጣሚ ከነዘራርቦ ዕድል ረኺብና ኔርና።። ቀደመይቲ ሕቶ ስለምታይ ነታ ሓዳስ ሕታም መጽሓፍ Against All Odds ንኤርትራ ዝከታተል ኣንባቢ ተገድስ ንዝብል ሕቶ ዳን፤

“እታ ኣብ 1993 ዝተሓትመት መጽሓፍ ሰውራ ኤርትራ ከመይ ኢሉ ከም ዝተዓወተ ከተርእዮም’ያ። እቲ ናይ 1997 ሕታም ምስ ዳግመ-መውጽኢ፡ ነቲ ኣብ ሰውራ ዝነበረ ሃጓፋትን ድኻማትን እሞ ከኣ ብትስፉው ኣጠማምታ ከተርኢ ትኽእል’ያ። እዛ ናይ መጨረሽታ ሕታም ድማ ምስቲ ዳሕራይ ዝገምገምኩዎ፡ ነቲ ዝነበረ ጌጋታት ብኻልእ መነጸር ክትርእዮን ክምርምሮን ትፍንት’ያ። ስለዚ፡ እቲ ጌጋታት ኣበይ’ዩ ነይሩ ከተርኢ ስለ እትኽእል።"

ኣብዛ ናይ ዳሕራይ ሕታም ክሳብ ሚያዝያ 2021 ዝነበረ ኵነታት ብመንጽር ኣብ ትግራይ ዝምዕብል ዝነበረ ከይዲ ክትርኢ እትፍንን ደራሲ ዝሓሸ መገዲ ዝበሎ ኣተዓራቒ ፍታሕ እትዝርዝርን ኢያ።

ኣብዛ ሳልሳይ ሕታም Against All Odds ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ከም ዘሎን ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ዝጽሕፎ ዝነበረን፡ ኣቓልቦ ዳን ኮነል ሕጂ ዝያዳ ናብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቐንዐ’ዩ። ኣብ ክልል ትግራይን ዓፋርን ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ ብዙሕ እዋን ተመላሊሱ፣ ኣብ በበይኑ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዙሕ ተራኺቡ: ናብ ሲናይ በጺሑን ክሳብ ብላቲን ኣመሪካ ምስኣቶም ተጓዒዙን’ዩ። ምኽንያት ናይቲ ኣቓልቦኡ ናብ ስደተኛታት ዝገበሮ ኣብ ዝተሓተተትሉ ድማ ብሰለስተ ምኽንያታት ምዃኑ ይዝርዝር፤

“ካብ 2002 ኣትሒዘ ንኤርትራ ክኣቱ ስለ ዘይከኣልኩ፡ እቶም ስደተኛታት ንኤርትራ ዘራኽቡኒ እንኮ መስኮት’ዮም። ካልኣይ ከኣ ካብቲ ኣዝዩ ሕጹር ኣከባቢ ፈንጺጎም ንኽወጹ ዝርእዩዎ ምብልሓት፡ ትብዓትን ሓይሊን ኣፍልጦን መጎስን ዘውህብ’ዩ። እዚ ዅሉ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዮም’ዮም። ሳልሳይ ምኽኒት ድማ ኣብቲ ውሑስ ዝበሉዎ ሃገር ምስ በጽሑ ዝጎንፎም ማሕለኻታትን ንዕኡ ንምስጋር ዘሕልፉዎ ጽንካረን’ዩ፡” ኢሉ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:21 0:00


XS
SM
MD
LG