ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ማዕቀብ ኣንቢሩ


Asmara Cathedral
Asmara Cathedral

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ነቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ኣመልኪቱ ቅጽበት ግብረ-መልሲ ሂቡ ኣሎ

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዘካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣውሪዱዎ ብዝበሎ ብዙሕ ግፍዕታት ንሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣብ ጸሊም መዝገብ የእትዩ ብኣዋጅ ማግነትስኪ ጉዳዩ ክርአ ሎሚ ሰኑይ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብወገኑ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ ውሳነ “መሰረት ኣልቦ” ክብል ነጺጉዎ ኣሎ።

ኣብቲ ብጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ተፈሪሙ ዝወጸ መግለጺ፡ ብኣመሪካ ዝተገበረ ተደጋጋሚ ጻውዒት ዕሽሽ ብምባል፡ “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብዝፈጸሙዎ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲን ካልኦትን ዜጋታትን ብዝፈጸሞ ሰፊሕ ሰብኣዊ ግፍዒን ተሓታቲ’ዩ” ክብል ጠቒሱ። ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ድማ እቲ ግፍዒ ብኣሃዱኡ ዝተገብረ ምዃኑ፡ ብኣዋጅ ማግነትስኪ ጉዳዩ ክርአ ውሳነ ከም ዘሕለፈ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ኣዋጅ ማግነቲስኪ ኣብ 2012 ብባይቶ ኣመሪካ ዝጸደቐ ኰይኑ፡ ብዜጋታት ወጻኢ ሃገር ንዝፍጸም ብልሽውናን ሰብኣዊ ግፍዒን መርሚሩ ናይ ምንቅስቓስ ገደብን ናይ ንብረትን ሕሳብ ባንክን ማዕቀብ ዝገብር’ዩ።

መግለጺ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ከም ዘመልክቶ፡ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሰነ ደኣ ሰራዊታ ስሒባ ትንበር እምበር፡ ዳግም ብዙሕ ሰራዊት ንትግራይ የእትያ ከም ዘላን እዚ ተርእዮ ድማ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ምዃኑን ሓቢሩ። ወሲኹ እቲ ዳግም ሰራዊት ናይ ምስዳድ ተበግሶ ነቲ ኲናት ከናውሖን ስቓይ ህዝቢ ክውስኽን ምዃኑ የጠንቅቕ። ንኹላቶም ሓይልታት ምቍራጽ ተጻብኦታት ክገብሩን ንሰላማዊ ህዝቢ ሓገዝ ንምብጻሕ መገዲ ከፍቅዱን ድማ እቲ መልእኽቲ ይጽውዕ።

“እዚ ስጉምቲ መርኣያ፡ ኣመሪካ ግፍዒ ክፍጸም ድው ኢላ ከም ዘይትርኢ’ዩ፡” ዝበለ መገልጺ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መንግስቱ ከምኡ ዝመስል ግፍዕታት ንዝፍጽሙ ኣካላት ብቐረባ ክከታተልን ዝመልከቶም ስጉምቲ ክወስድን ምዃኑ ወሲኹ።

ናይ ጽሑፍ መግለጺ ጸሓፊ ጉዳያት ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ነቲ ኲናት መደምደምታ ክገብራ ጸዊዑ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ነቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ኣመልኪቱ ቅጽበት ግብረ-መልሲ ሂቡ ኣሎ። ነቲ “መሰረት ኣልቦ”ን “ብጽቡቕ መንፈስ” ዘይተበገሰን ዝበሎ መግለጺ ብትሪ ከም ዝነቕፎ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ የምልክት።

እቲ መግለጺ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ናብ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝተጻሕፈ ደብዳበ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝበሎ፡ “ጭብጢ ኣብ ዘይብሉ ናይ ማዕከናት ዜና ሓበሬታ ተመርኲሱ” ከምኡ ዝመስል መግለጺን መርገጺን ምውሳዱ ከም ዘሕዘኖ ጠቒሱ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ንኸምዚ ዝመስል ክሲ ስቕ ኢሉ ከም ዘይርኢ ድሕሪ ምምልካት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ ኣብ ናጻ ፍርዳዊ ኣካል ክመርሖን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድማ “ሓላፍነቱ ተሰኪሙ፡ ነቲ ልኡላዊ ክብሪ ኤርትራ ዝጥሕስ” ዝበሎ ክሲ ክምርምርን ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG