ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ዝርግሐ ዝናብ ክረምቲ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዘሎ ሚኒ/ሕርሻ ገሊጹ


ኣብ እዋን ኣዝመራ ብውሑድ መጠን ዝጀመረ ዝርግሐ ዝናብ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ኤርትራ ንቡርን ልዕሊ ንቡርን ዝርግሕ ዝናብ ይቕጽል ከምዘሎ ሚኒ/ሕርሻ ኤርትራ ገሊጹ።

ኣብ ዝበዝሑ ነቑጣታት ካብ’ቲ ዓመታዊ ዝድለ ማእከላይ ገምጋም ዝናብ ንላዕሊ ከምእተመዝገበን እቲ ዝናብ ፈኵስን ህዱእን ብምንባሩ ዘራእቲ ኣብ ዝሓሽ ኩነታት ከምዝርከብን ኣብ ሚኒ/ሕርሻ ኤርትራ ክኢላ ሕርሻዊ ሜትሮሎጂ ኣቶ ተኸስተ ወ/ገብርኤል ንቪኦኤ ገሊጹ።

ምስ ምብዛሕ ዝናብ ዝኽሰቱ ሕማማትን ባልዓትን ከምዘለዉ ዝሓበረ ኣቶ ተኸስተ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጎረብብቲ ሃገራት ዝተርኣየ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ናብ ኤርትራ ናይ ምስጋም ተኽእሎታት ክህልዎ ስለዝኽእል ሓረስቶት ኣብ ግራቶም ኮለላን ምክትታልን ከካይዱን ፍሉይ ነገር ምስ ዝዕዘቡ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ክኢላታት ሕርሻ ክሕብሩን መኺሩ’ሎ።

ኣብ እዋናዊ ወቕቲ ክራማት ብዝምልከት ምስ ክኢላ ሕርሻዊ ሜትሮሎጂ ኣቶ ተኸስተ ወ/ገብርኤል ዝተገበረ ቃለ-መሕትት ይስዕብ።


XS
SM
MD
LG