ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊት USAID ሳማንታ ፖወር፡ ናብ ክልላት ዓፋር ኣምሓራን ተዘርጊሑ ዘሎ ሓይልታት ህወሓት ክስሕብ ጸዊዐን


U.S. Ambassador to the United Nations, Samantha Power
U.S. Ambassador to the United Nations, Samantha Power

ከምኡ ዝመስል መጥቃዕቲ ነቲ ኲናት መጢጡ፡ ንስቅያት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዘናውሕ ድማ ኣጠንቂቐን ሳማንታ ፖወር ኣብ ናይ ትዊተር ጽሑፈን

ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪተን ብሰንበት ኣብ ዝፈነወኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ትካለን ሓገዝ ንምብጻሕ ዝከኣሎ ይገብር ከም ዘሎ ድሕሪ ምምልካት፡ ናብ ክልላት ዓፋር ኣምሓራን ተዘርጊሑ ዘሎ ሓይልታት ህወሓት ክስሕብ ጸዊዐን።

እተን በዓልቲ-ስልጣን፡ ትካል USAID ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ በቲ ዂናት ንዝተጸልዉ ኣስታት 136-ሽሕ ህዝቢ ካብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን፡ ሓገዝ ከባጽሕ ምዃኑ ኣፍሊጠን።

ወሲኸን ድማ ኣብ ዝፈነወኦ መልእኽቲ ትዊተር፡ እቶም ሰላማውያን ሰባት ብሰንኪ’ቲ ብማእከላይ መንግስቲ “ኣሸባሪ” ዝተሰምየ ሓይልታት ህወሓት ከም ዝተመዛበሉ ድሕሪ ምምልካት፡ ሓይልታት ህወሓት ካብቲ ሒዞሞ ዘለዉ ስፍራታት ክስሕቡ ጸዊዐን።

ከምኡ ዝመስል መጥቃዕቲ ብዘይካ’ቲ ነቲ ኲናት ምምጣጥን ስቅያት ህዝቢ ምንዋሕን እምበር ካልእ ፋይዳ የብሉን ክብላ’ውን ሳማንታ ፖወር ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽተን ወሲኸን።

XS
SM
MD
LG