ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጣሊባን ከም ሕጋዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ምሃብ ኣብ ክርክር ኣሎ


CREDIT
CREDIT

ሓይልታት ጣሊባን ንኸተማ ካቡል ካብ ዝቆጻጸሩሉ እዋን ሰሙን ደኣ የሕልፍ እምበር፡ ናየይቲ ሃገር መንግስቲ፡ ነቲ ጉጅለ ወግዓዊ ኣፍልጦ ከም እትህቦ ግን ንብዙሓት ተንጠልጢሎ ዘሎ ሕቶ’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ 1999 ኣሸባሪ ኢሉ ስለ ዝሰየሞ፡ ብዝኾነ መንግስቲ ወግዓዊ ተቐባልነት ክረክብ ኣይከኣለን ጸኒሑ። ሓይሊ ጣሊባን ምስ ሕብረት ሶቬት ድሕሪ ዘካየዶ ኲናት ኣብ መፋርቕ 90ታት ስልጣን ምስ ሓዘ’ውን፡ ኣፍልጦ ዝሃበኦ ሃገራት፡ ፓኪስታን፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ጥራይ’የን ነይረን።

ሕጂ እምበኣር ብዙሓት መንግስታት ነቲ ጉጅለ ከም ወግዓዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ብዛዕባ ምሃብ ዝህሉዎ ሳዕቤንን ብልጫታታን ኣብ ምዝታይ’የን ዘለዋ።

ክፍሊ ወጽኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝገለጾ፡ ብኣገላልጻ እቲ ክፍሊ፡ “ገና ወግዓዊ መንግስታዊ ስልጣን ኣፍጋኒስታን ናብ ጣሊባን ስለ ዘይሰገረ፡” ብዛዕባ ኣፍልጦ ምሃብ ከይጠቐሰ ሓሊፉ።

ከም በዓል ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ ምስ ምውጻእ ኣመሪካ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ናብ ረብሓአን ከውዕለኦን ዞባዊ ጽልዋአን ከሕይላን፡ ነቲ ውድብ ከም መንግስቲ ኣፍልጦ ዝህባሉ መንገዲ ኣብ ምርኣይ ኣለዋ።

ኣምባሳድር ራሻ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቫስሊ ነበንዚያ፡ ብዛዕባ ንጣሊባን ኣፍልጦ ምሃብ ክንድቲ ከሻቕል ከም ዘይብሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ካቡል ዝርከብ ኤምባሲ ራሻ ልሙድ ስራሑ ኣብ ምቕጻል ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። እቲ ኣምባሳድር ወሲኹ፡ ጣሊባን ነቲ ራሻ እትጽበዮ ነጥብታት እንተ ኣማሊኡ፡ ኣፍልጦ ክትህቦ ምዃና ኣመልኪቱ።

ቻይና ኣብ ቀረባ ግዜ ትሽዓተ ላዕለዎት መራሕቲ ጣሊባን የአንጊዳ ከም ዘዘራረበት ይዝከር። ቻይና ብሓሙስ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝገበረቶ ጻውዒት፡ ኣብ ክንዲ ጸቕጢ ምስግባር፡ ንጣሊባን ናብ ዝሓሸ መገዲ ምምራሑ ዝያዳ ውጽኢታዊ ምዃኑ ኣመልኪታ።

ፓኪስታን ብወገና ኣብ ኣፍጋኒስታን “ኣሳታፊ” መንግስቲ ክህሉ ክትሰርሕ ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።

ብጉጅለ-7 ዝምራሕ መንግስታት ምዕራብ ድማ ንጉዳይ ጣሊባን ኣመልኪቱ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ክዛተ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እቶም ወገልቲ ጉጅለ-7፡ መንግስታቶም ኣፍልጦ ቅድሚ ምሃቡ፡ ጣሊባን ከማልኦ ዘድሊ ቅድመ-ኩነት ክዛተዩ ምዃኖም ትጽቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG