ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍጋኒስታን ኣብ ቃራና መገዲ፡ ዘተ ብጠመተ ታንታኒ ፖለቲካን ብዓይኒ ክኢላ ሕጊን


ምስ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካን ሓይልታት ሰሜን ኪዳን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ን ጉጅለ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ኣብ ዝተቖጻጸርሉ ግዜ ዝህሉ ሳዕቤናትን ኣመታትን ከመይ ይመስል? ዕስራ ዓመት ዝወሰደ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣመሪካ ተዓዊቱ ድዩ ፈሺሉ? ስለምንታይ? ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ግብረ-ሸበራዊ ዝተሰምየ ሓይሊ ጣሊባን እንታይ መጻኢ ክጽበያ’ዩ?

ተዛተይቲ ሳልሕ ኑር፡ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ብፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራን ኖርዝወስት ዩኒቨርስቲ ዝተመረቐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ኖርዝወስት ዩኒቨርስቲ ቺካጎ ሕጹይ ዶክተር’ዩ። ካልኣይ ጋሻ ድማ ኢሳያስ የማነ፡ ምሩቕ ሕጊ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራን ዳሕራይ ድማ የል ዩኒቨርስቲ’ዩ። ኢሳያስ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኤርትራ ምስ ኣማኻሪ ጉዳያት ሕጊ ዝሰርሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመደበሩ Center for Innovation, Peace, Security and Prosperity ዝተሰምየ ዘይመኽሰባዊ ትካል ሰላምን ጸጥታን ኣካያዲ ስራሕ’ዩ።

ነቲ ዝርርብ ኣብርሃም ተስፋልኡል’ዩ ኣካዪዱዎ፡ ንምሉእ ትሕዝቶ ንምጽማዕ ኣብዚ ጠውቑ።


XS
SM
MD
LG