ዋሽንግተን —
ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንመርመራ ብልሽውና ብሰንኪ ዝገበሩዎ ኣብያ ምትሕብባር፡ ዝተኣስሩ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ሎሚ ዓርቢ፡ ሕክምና ምእታዎም ተፈሊጡ። ብመሰረት ካብ ክፍሊ ቤት-ማእሰርቲ እታ ሃገር ዝወጸ ሓበሬታ፡ እቶም ወዲ 79 ዓመት ፕረዚደንት ነበር፡ ንመርመራ ሕክምና’ዮም ንሆስፒታል ተወሲዶም።
ፍርዳዊ መስርሕ እቶም ፕረዚደንት ነበር ን10 ነሓሰ ክቕጽል ተመዲቡ ኣሎ። እቶም ፕረዚደንት፡ ብቐንዱ ምስ ብልሽውና መሸጣ ኣጽዋር ኲናት ዝተኣሳሰር 16 ክስታት ተመስሪቱሎም ኣሎ። ኣብ 1999 ዝተፈጽመ ዕድጊ ኣጽዋር፡ ዙማ ኣብቲ እዋን ምኽትል ፕረዚደንት ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ’ዩ።
ኣንጻር ዙማ ዝዓለመ ክሲ ካብ ነዊሕ ደኣ ይመዝገብ እምበር፡ ንዓመታት ዝኸውን ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክናዋሕ ጸኒሑ’ዩ።
ነቶም ፕረዚደንት ነበር ዳሕራይ ናብ ማእሰርቲ ዝመርሖም ግን ካብ 2009-2019 ፕረዚደንት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብዛዕባ ዘርኣዩዎ ምጥፍፋእ ዝምልከት’ዩ።