ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሸሞንት ኣዋርሕ ኣብ ዝሓዘ ተቓውሞ ሓረስቶት ህንዲ፤ “ገና ክንቅጽል ኢና” ይብሉ


ኣንጻር ብመንግስቲ ዝተኣመመ ሕጊ ሕርሻ ንምቅዋም ካብ ደልሂ ውጽእ ኢሎም ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝኣክል፡ ጽርግያ ብምዕጻው ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ ሓረስቶት፡ ገና ክቕጽሉ ምዃኖም ይሕብሩ ኣለዉ። እቶም ሓረስቶት ንማሕረስ ዝቕረቡሉ ወቕቲ 'ማንሱን' ይምጻእ ደኣ እምበር፡ ገና ቦታኦም ከም ዘይለቁ ኣመልኪቶም።

እቶም ሓረስቶት ግዜያዊ መጽለሊታት ብምቛም’ዮም፡ ንጽግርያ ዓጽዮም፡ መንግስቲ ነቲ ሕጊ ክልውጦ ዝጠልቡ ዘለዉ። ብመሰረት ዝተኣመመ ሕጊ፡ ብመንግስቲ ዝገብር ዝነበረ ሓገዛት ደው ኢሉ፡ ሓረስቶት ከኣ ከም ድላዮም ዓይነታት ዘርኢ ከፍርዩን ናብ መንግስቲ፡ ብውሱን ዋጋ ክሸጡ ዝሕተቱዎ ዝነበሩ ክግደፍን ዝብል’ዩ። ብቐዳማይ ሚንስተር ሞዲ ዝምራሕ መንግስቲ፡ እቲ ሕጊ፡ ንሓረስቶት በብይኖም ፍርያት ኣፍርዮም ኣብ ተወዳዳሪ ዕዳጋ ክነጥፉ ዘኽእል ምዃኑ ይምጉቱ። እቶም ሓረስቶት ግን እቲ ሕጊ ኣብ ዝተናውሐ፡ ነቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ድጎማ ኣልዩ፡ ካብ ግራቶም ከልቅቖምን ኣብ ሓዲግ ክገድፎም ምዃኑን ይኣምኑ።

እቲ ሕጊ ከይተዘረዘ ተቓውሞኦም ክቕጽሉ፣ ብወቕቲ ሕርሻ’ውን ክመዛበሉ ከም ዘይኰኑ ከኣ የፍልጡ።

እቶም ግዜያዊ ጽላል ሰሪሖም ንኣዋርሕ ዝተቐመጡ ሓረስቶት፡ በቲ ዝነበረ ስግኣት ለበዳ ኮሮና’ውን ኣይተጓናደቡን። ልዕሊ ለበዳ ኮቪድ-19 እቲ ሕጊ ከም ዝዓብዮምን ተቓውሞኦም ድማ ማዕረኡ ክቕጽሉ ምዃኖምን ከኣ ይገልጹ::

XS
SM
MD
LG