ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ጉጅለ-7 ኣብ ዝተፈላለየ ዓለምለኸ ጉዳያት ምዝታዩ ተገሊጹ


ኣብ ብሪጣንያ ከተማ ለንደን ዝተኣከቡ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣባል ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጂ ሸውዓተ፣ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ይዝትዩ ከምዘለው ተገሊጹ።

ቻይና፣ ሩስያ፣ ማያንማር፣ ሶርያን አፍጋኒስታንን፣ በቶም ሚኒስትራት ካብ ሞንጎ ዝተላዓለ አጀንዳታት ገሊኡ እዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ረአብ "ነቲ ንዴሞክራሲ፣ ናጽነትን ሰብኣዊ መሰላትን ተጻባእቲ ዝኾኑ ጂኦፖለቲካዊ ጸገማት ዝብደሃሉ ኩነታት ዝዝቲ ዋዕላ ከምዝመርሑዎ" ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።

ናይ ሎሚ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ዝተሳለጠ፣ መራሕቲ’ተን ሃገራት ኣብ ብሪጣንያ ዝመጽእ ወርሒ ንዝህልዎም ሓባራዊ ኣኼባ ንምቅርራብ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተዳለወ አኼባ'ዩ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG