ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ሃዋሳ ናህሪ ዋጋን ምኽባር መነባብሮን ከምዝተማረሩ ገሊጾም


ብዘይግቡእ ናህሪ ዋጋን ምኽባር መነባብሮን ከምዝተማረሩ ነበርቲ ሃዋሳ ገሊፆም። ጫፍ ዝወፀ ዝበሉዎ ክቡር መነባብሮ ዘስዓቦን ነብሶም ዝፈትዉ ሰብ ሃብቲ ዝፈጥሩዎ ሸፈጥን ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣን ዘይምግዳስ እዩ ክብል ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም።

ነቲ ህዝቢ ዘጨንቖ ዘሎ ናህሪ መነባብሮ ናይቲ ክልል መንግስቲ በይኑ ጠጠው ከብሎ ከምዘይኽእል ዝተዛረቡ ናይ ሲዳማ ክልል ፕረዚደንት ኣቶ ደስታ ለዳሞ ግቡእ ዘይኮነ ምንቅስቓስ ንግዲ ዝገብሩ ብሓገዝ ንምቕራብ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ምምኽኻር ከምዝርከቡ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG