ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ፈረንሳ ኣብ ቻድ ዝቖመ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ቅኑዕ'ዩ ብምባል ደገፎም ገሊጾም


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ያን ይቬስ ርያን ፣ ኣብ ቻድ፣ ወትሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ስልጣን ምሓዙ፣ ቅኑዕ እዩ ኢሎም።

ያን ይቬስ ርያን ድሕሪ ሃንደበታዊ ሞት ፕረዚደንት እድሪስ ዴብይ፣ ሰራዊት ቻድ ንሃገራዊ ፓርላማ በቲኑ ን18 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ጊዚያዊ መንግስቲ ምቋሙ ተቀባልነት ዘለዎ እዩ ይብሉ።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ቻድ፣ ፕረዚደንት ክኸውን ዝነበሮ ኣፈጉባኤ ፓርላማ እዩ። እንተኾነ፣ እቶም ኣፈጉባኤ ሃሮን ካባዲ፣ ብመንጽር እታ ሃገር ትርከበሉ ወትሃደራዊ፣ ጸጥታዊን ፖለቲካዊን ተኣፋፊ ኩነትት፣ ሰራዊት ስልጣን እንተሓዘ ዝበለጸ እዩ ኢሎም ከምዝተሰማምዑ ተገሊጹ'ሎ።

ወትሃደራዊ ቤት ምኽሪ ቻድ፣ ን37 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዲ ፕረዚደንት እድሪስ ዴብይ ዝኾነ ጀነራል መሓመድ እድሪስ ኢትኖ፣ ፕረዚደንት ጊዚያዊ መንግስቲ ንክኸውን ከምዝመዘዞ ዝዝከር እዩ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ እቲ ኣብ ቻድ ዝተፈጸመ ፖለቲካዊ ለውጢ ‘ዕልዋ’ እዩ ኢሎም ተቃወምቲ’ታ ሃገር ኮኒኖምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG