ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ፕረዚደንት ካብ ዝኸውን ንመጀመርያ ግዜ ምስ ናይ ቻይና ፕረዚደንት ዚ- ጂንፒንግ ብተለፎን ተራኺቡ: ተዘራሪቡ።
ባይደን ኣብቲ እዋን፡ ብዛዕባ ጸጥታ ህዝቢ ኣሜሪካ ብዛዕባ ምኽፋት ናጻን ቅሉዕን ኢንዶ-ፓስፊክ ኣሜሪካ ትህቦ ቀዳምነታት ምግላጹ ዋይት ሃዋስ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ሓቢሩ`ሎ።
እንተኾነ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ዘይሰማምዕሉ በይጂንግ ትኽተሎ ተጓናጻይን ዘይርትዓውን ዝብሃል ኤኮኖሚያዊ ኣካይዳን፡ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሆንግ ኮንግ ከምኡ`ውን ሰብኣዊ መሰላት ዝግበር ስጉምትታትን ከም ዝተዘራረቡ'ውን ሰበ-ስልጣን ሓቢሮም ኣለዉ።
መንግስታዊ ተሌቪዥን ቻይና ድማ፡ ፕረዚደንት ዚ-ጂንፒንግ፡ ነቲ ተጎዲኡ ዝጸንሐ ርክብ ከዐርይ ዝኽእል እንኮ ኣማራጺ፡ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ጥራይ`ዩ ክብል ንባይደን ነጊርዎ ክብል ጸቢጺቡ`ሎ።