ተመራጺ ፕረዚደንት ኣሜሪካ እንታይ ማለት’ዩ?
ኣብ ኣሜሪካ ንዲሞክራቲክ ፓርቲ ወኪሉ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2020 ዝተወዳደር ጆ ባይደን ተመራጺ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
‘ተመራጺ ፕረዚደንት’ ዝብል መጸውዒ ወግዓዊ መጸውዒ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ ጆ ባይደን ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝኾነ ስልጣን የብሎምን: ክሳብ ጥሪ 20,2021 ብወግዒ ቃለ መሓላ ዝፍጽሙ’ውን መዝነት ኣይክህልዎምን’ዩ።
መሓውራት ዜና ኣሜሪካ ነቲ ቆጸራ ድምጺ ህዝቢ ብምክትታል ኣብ ሕዳር 7 ጆ ባይደን ነቲ ዘድልይ 270 ናይ መራጾ ነጥቢ ብምርካብ ተመራጺ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ምኳኖም ሓቢረን።
ስለዝኾነ ድማ መሓውራት ዜና ንድምጺ ኣሜሪካ ሓዊሱ ጆ ባይደን ተመራጺ ፕረዚደንት ኢለን ክጽወዓ ክኢለን።
ሓደ ሓደ እዋን መሓውራት ዜና ንሓደ ተወዳዳሪ ተመራጺ ፕረዚደንት ኢለን ምስ ዝጽውዓ እቲ ካልእ ተዓዋቲ ነቲ ዓወት ከይኣምነሉ ይክእል’ዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ’ውን ነዚ ውጽኢት ኣይኣመንሉን ። ዋላ’ዃ ጭብጢ እንተዘየቕረቡ ምጭብርባር ድምጺ ተካይዱ’ዩ ኢሎም ሙጉቶም ቀጺሎም ኣለው።
እዚ መርገጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ንሰብ ሞያ ሕጊ ዋሽንግተን ኣብ ክልተ ከፊልዎም ይርከብ ። ሪፖብሊካን ዋላ’ዃ ንዓወት ካልኦት ተመረጽቲ እንተተቐበልዎ ኣብቲ ተጨርቢሩ ዝተባህለ ምርጫ ሕጋዊ ምርመራ ክካየድ ይጠልቡ ኣለው።
እዚ ኣፈላላይ መዓስ’ዩ ዝፍታሕ?
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ድሕሪ ሰሙናት’ዩ ወግዓዊ ዝኸውን ኣብዚ ህሞት ቤት ፍርዲ ግዝኣታት ዳግማይ ድምጺ ምቁጻር ከካይዳ ክሓትት ይክእል’ዩ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ግዝኣታት ሓንሳብ ብወግዒ ውጽኢት ምርጫ የፍልጣ። ኣብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ቤት ምኽሪ ነቲ ናይ መራጾ ነጥቢ የጽድቅ ።እዚ ኣስታት ክልተ ሰሙን ቅድሚ ምፍጻም ቃለ መሓላ ሓድሽ ዝተመርጸ ፕረዚደንት’ዩ።