ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ዘስዓቦ ቁጠባዊ ማህሰይቲ ቁጽሪ ንጥምየት ዝቓልዑ ስደተኛታት ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ


ዓለምለኸ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ቁጠባ ዓለም ብዘብፀሖ ማሕሰይቲ ቁፅሪ ንጥምየት ዝተቃልዑ ስደተኛታት ይንሕር ኣሎ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቁ፟ ። ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታትን ኣጋጢሙ ብዘሎ ከቢድ ዋሕዲ መግቢ ስደተኛታት ስድርኦም ክምግቡ ኣብ ምድላይ ስራሕ ይክዋፈሩ ይግደዱ ኣለው ክብላ ይሕብራ ።

እተን ትካላት ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ወዲቆ፟ም ዝርከቡ ብጎንፅታት ፣ ብመጥቃዕቲን ሓደጋታት ተፈጥሮን ዝተመዛበሉ ክፋላት ማሕበረሰብ እዮም ይብላ ። ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምዕላይ ተባሂሎም ዝተወስዱ ስጉምምትታት ኣብ ንግድን ቁጠባዊ ምንቅስቃ፟ሳት ዓለም ውድቀት ቁጠባ ብምስዓብ ጥምየት ከንሳእርር ገይሩዎ እዩ ።

ቁጽሪ ንጥምየት ዝተቃ፟ልዑ ሰባት ምስቲ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ክወዳደር ከሎ ካብ 149 ሚልዮን ስጋብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ናብ 270 ሚልዮን ክብ ክብል'ዩ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታትን ነቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘግልዮ ዘሎ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝግመት ህዝቢ ማሕበረሰብ ዓለም ምላሽ ክህቦ ፀዊዖም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG