ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

' ንዳንሻን ሑመራን ምሉእ ንምሉእ ተቖጻጺርና ኣለና' ኣዛዚ ሰሜን እዚ ጀነራል በላይ ስዩም


ኣዛዚ ሰሜን እዚ ጀነራል በላይ ስዩም
ኣዛዚ ሰሜን እዚ ጀነራል በላይ ስዩም

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ልዕልና ሕጊ ናይ ምኽባር ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክዛዘም'ዩ ኢሉ። ብኻልእ ወገን ወተሃደራዊ ሓይሊ'ታ ሃገር ንከተማ ሑመራ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ'ሎ።

መራሒ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ሎሚ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፥ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት በቲ ዝተለምናዮ መንገዲ ይቕጽል ኣሎ ኢሉ።

ኣስዒቡ፥ ተሓቢኦም ዘለዉ ገበነኛታት ምስ ተታሕዙን ሕጋዊ ምምሕዳር ምስ ተተኽለን'ዩ እቲ ወፍሪ ደው ዝብል ኢሉ'ሎ። ብሕጊ ዝድለዩ ገበነኛታት ናብ ፍትሒ ክቐርቡ'ዮም ዝበለ ቀ|ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘለዉ ጁንታ ዕጥቆም ምስ ፈትሑን፥ ተቐባልነት ዘለዎ ሕጋዊ ምምሕዳር ምስ ተመስረተን እቲ ወፍሪ ክዛዛም'ዩ ኢሉ።

ናብቲ ቦታ ተጓዕዙ ዝነበረ ሌ/ጀነራል ባጫ ደበሌ ድማ ህ​ወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲን ኣፈጻጽምኡን ታሪኽ ይቕረታ ዘይብሎ'ዩ ኢሉ።

"ንዝተሰውኡ ኣባላት ምክልኻል፡ ክዳኖም ገፊፎም ጥርሖም ኣውጺኦም ኣብ ጸሓይ ሰጢሖሞም ክሳብ ሎሚ ረስኦም ኣይተቐብረን ቀለብ ኣሞራን ዝብእን ኮይኑ'ሎ"ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ናይ ሰሜን ወተሃደራዊ እዚ፥ ምስ ማእከል ዝህልዎ ናይ መራኸቢ መርበብ ከም ዝቋረጽ ብምግባር ብጉጅለ ጥፍኣት መጥቃዕቲ ንኽፍጸም ዘመቻችዉ ዝነበሩ ዝተባህሉ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኣብ ትሕቲ ቁፅጽር ከም ዝኣተዉ ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ።

በቲ ተግባር ድማ ዝተጠርጠረ መጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ )ምስ ተሓባበርቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅጽር ምእታዎም'ውን ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ-ከም ሓበረታ ኣገልግሎት ዜና ፋና።


ሎሚ ንጋዜጠኛታት ወጻኢ መግለጺ ዝሃበ ኣምባሳደር ረድዋን ሁሴን ብወገኑ፥ ቀይሕ መስመር ምስጋርን ይቕረታ ዘይግበረሉን ተግባር ንሰራዊት ምክልኻል ምጥቃዕ'ዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ እዚ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝውዳእ'ዩ ዕላምኡ'ውን ግልጺ'ዩ፡ ሰለማዊ ህዝቢ ንኸይጉዳእ ድማ ዝክኣሎ ክገብር'ዩ ኢሉ።

ኣዛዚ ሰሜን እዚ ጀነራል በላይ ስዩም ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ሕወሓት ከቢድ ክሳራ ብምውራድ ንዳንሻን ሑመራን ምሉእ ንምሉእ ተቖጻጺርና ኣለና ኢሉ።

XS
SM
MD
LG