ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተወለዐ ውግእ ከምዘሻቀሎ ገሊጹ


ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ይምዕብል ዘሎ ሓድሽ ክስተት፣ ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝልክም ስለዝኾነ ኣሻቂሉና ኣሎ ኢሉ ።

ሚስተር ስተፋን ያሪክ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ፓርፈይት ኦናንጋ ኣናያንጋ፣ ኣብ አዲስ አበባ ከምዝኣተወ ስሚዔ ኣለኹ። ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ዲፕሎማስያዊ ኮሚኒቲን ኢትዮጵያዊያንን ይዘራረብ ኣሎ። እቲ ግጭት ንክሃድእን ሓበሬታ ንምርካብን ይንቀሳቀስ ኣሎ ኢሉ።

ስቴፈን ያሪክ ‘ዋና ጸሓፊሕቡራት ሃገራት፣ በቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ውግእ ተላዒሉ ዝብል ሪፖርት ሻቅሎቶም ገሊጾም ኣለው። ነቲ ውጥረት ንምትህድዳእን እቲ ምስሕሓብ ብሰላማዊ ኣገባብ ንክፍታሕን ቅጽበታዊ ስጉምቲ ንክውሰድ’ውን ጸዊዖም። ኣገዳስነት ዝሃደአት ኢትዮጵያ ንዝዓበየ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎ ረብሓ’ውን ኣተኩሮምሉ ኣለው። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰላማዊን ውሑስን መጻኢ ንኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንምምጻእ ንዝገብሮ ጻዕሪታት፣ ደገፍ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽትን ከምዝረክብ’ውን’ ኣረጋጊጾም።

ንሱ ወሲኹ፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ እቲ ግጭት ደው ዝብለሉ ኣገባብ ይሰርሓሉ ኣሎ ይብል።

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ምስ ኣቦ መንበር ኢጋድ ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሃምዱክን ምስ ፍሉይ ልኡኾም ፓርፈያይ ኦናንጋን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ወካሊ ዋና ጸሓፊ ዝኾነት ሃና ሰርዋ ቲተህን ከምዝተዘራረቡን እቲ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG