ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምቁጻር ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ቀጺሉ'ሎ


ከምተን ካልኦት ክፍለ ግዝኣታት ኣብ ኒውዮርክ'ውን ድምፅታት ይቁጸር ኣሎ።ህዝቢ 'ውን ከከም ድልየቱ ዓወት ከበስር ኣብ ትፅቢት ይርከብ ።ዋላ’ውን ካብተን ወሰንቲ ክፍለ ግዝኣታት ዝበሃላ ፔንስላቫንያ 'ውን እንተኾነትብሓፈሻ ህዝቢ እዛ ሃገር ውፅኢት ንምፍላጥ ኣብ ጭንቀት ተዋሒጡ 'ሎ ። ።

ኣብ ኩለን ክፍለ ግዝኣታት ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ዝተኣኻኸቡ ድምፅታት ይቁ፟ፀሩሉ ኣብዘለዉሉ እዋን ጆ ባይደን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ፕረዚደንት ትራምፕ ተዓዊቶሙለን ዝነበሩ ክፍለግዝኣታት ሚሽጋንን ዊስካንሰንን ምዕዋቶም ኣብሲሮም እዮም ። ንሶም ወሲኾም እቲ ዝነኣሰ ናይ ዓወት ድምፂ 270 ከምዝረኽቡ ርግፀኛ ኮይኖም ይዛረቡ።

“ ኣነ ኣብዚ መፂአ ዘለኹ ምዕዋትና ንምብሳር ኣይኮነን እንታይ ድኣ ኩሉ እቲ ድምፂ ተቆ፟ፂሩ ምስተወደአ ተዓወቲ ከምእንኽውን ርግፀኛ እየ ።”

ክፍለግዛኣት ጆርጅያ ብልምዲ ክፍለግዛኣት ሪፐብሊካን ተባሂላ እያ ትፍለጥ ነይራ ። ኣብዚ እዋን ካብተን ቀንዲ ወሰንቲ ክፍለ ግዝኣታት ኮይና እያ። ንባይደን ልዑል ደገፍ ዘለዎም ነበርቲ ኸተማን ከባቢኡን ዝርከቡላ ምናልባት እውን ብዓወት ከተፀምብሎም ትክእል እያ ተባሂሉ’ ሎ። ቆፀራ ድምፂ ይካየደሉ ኣብዘለሉ እዋን ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ትዊተሮም ሚሽጋን ፣ ፔንስላቫንያ ፣ ጆርጂያን ኖርዝ ካሎራይናን ከምዝተዐወቱ ጽሒፎም ነይሮም እዮም። ድሒሩ ግን ትዊተር ነቲ መልእኽቲ ጌጋ ሓበሬታ ብዝብል ሰሪዝዎ’ዩ።

ኣተሓባባሪ ወፍሪ ምርጫ ትራምፕ ኣብ ሚሽጋንን ፔንስላቫንያን ንፁር ዝኾነ ኣሰራርሓ ቆፀራ ድምፂ ስለዘይብሎም ከይዲ እቲ ቆፀራ ክቋረፅ ይግባእ ክብሉ ከሲሶም እዮም ።

“ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ክንወስዶ ኢና ኩሉ ዝወሃብ ድምፂ ክቋረፅ ኣለዎ ። ኣብ ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ መሬት ወዲቁ፟ ዝረኸብኩዎ ድምፂ ኣልዒሎም ናብቲ ቁፅሪ ክፅንብሩዎ ኣይነፍቅድን ኢና ።”

ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ፀቢብ ኣፈላላይ ዝነበሮ ድምፂ ዊስካንሰን 'ውን ተደጊሙ ክቁ፟ፀር ሓቲቶም 'ዮም። ብኣማኢት ዝቁ፟ፀሩ ደገፍቶም ድማ ኣብ መቆፃፀሪ ጣብያ ድምፂ ፊኒክስ ኣሪዞና ትማሊ ሮቡዕ ገለ ድምፅታት ብትኽክል ኣይተቆፀሩን ብዝብል ተቃ፟ውሞኦም ኣስሚዖም እዮም ።

XS
SM
MD
LG