ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን: ምምላስ ዝምድና ምስ እስራኤል ብኣሜሪካ ዝተቐመጠ ኩነት ግን ጠቓሚ ስጉምቲ ምዃኑ ኣፍሊጣ


መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ሃገሩ ምስ እስራኤል ዝምድናኣ ናብ ንቡር ምምላሱ ንህዝቢ ሱዳን ዝጠቅም ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊጹ።

አባል ቤት ምኽሪ ሉኣላዊነት ሱዳን ዝኾኑ ጀነራል ያሲን ኣል -አጣ ንቴሌቭዥን አል-ሓዲሳ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ምምላስ ዝምድና ሱዳንን እስራኤልን ሓደ ካብቲ ሃገሮም ካብ ዝርዝር ግብረ ሽበራ ዝድግፋ ሃገራት ክትወጽእ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተቐመጠ ኩነት ምዃኑ ሓቢሮም።

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ውሳነ ንዝኾነ ሱዳናዊ ከምዘይጎድእን ንጥቕሚ ዜጋታት ንምክልኻል ድሕሪ ዝተኻየደ ነዊሕ ልዝብ ዝተወሰነ እዩ ኢሎም።

“ነዚ ምርጫ ክንወስድ ከለና ንህዝብና ከምዘይጎድእ ፈሊጥና ኢና ምስ ካል ኦት ኣሓት ሃገራት ዓረብ ካብ 1948 ጀሚርና ንመሰልና ክንቃለስ ጸኒሕና ኢና። ሕጂ ድማ ኩለን ሃገራት ዓረብ ብዝኾነ ዓይነት መልኽዕ ምስ እስራኤል ኣብ ኹናት ከምዘይርኸባ ኣብ መደምደምቲ በጺሕና ኢና።”

ዝምድና ሃገራት ዓረብን እስራኤል ዝተቛረጸ እስራኤል ምዕራባዊ ጎላጉልን ወሽመጥ ጋዛን ድሕሪ ምቁጽጻራ’ዩ ክሳብ ሕጂ ድማ ብዘይኻ ግብጺን ጆርዳንን ዝምድንኣ ናብ ንቡር ዝመለሳ ሃገራት ዓረብ የለዋን።

ፍሉይ አማኻሪ ንሚንስትር ጸጥታ እስራኤል ኢሉ ኮሃን ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ናብ ንቡር ምምላሱ ሱዳን ኣብ መዳያት ሕርሻ: ጥዕናን ካልኦት ዓውድታትን ዝማዕበለ ቴክኖሎጂ እስራኤል ክትጥቀም ክሕግዛ’ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG