ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ .ኢሳያስ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ኢትዮጵያ የካይዱ ኣለው


ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፍወርቂን ሎሚ ኣብ ጅማን ከባቢኡን ናይ ስራሕ ዑደት ኣካይዶም።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዕድመ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ሎሚ ሶኑይ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ከተማ ጅማ ምእታዎም ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም።

ብፕረ.ኢሳያስ ዝምራሕ ልኡኽ አማኻሪ ፕረዚደንት አቶ የማነ ገብረኣብን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ዝሓዘ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ጅማ ኣብ ዝኣተወሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተቐቢሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ጎማ ወረዳ ንዝርከብ መፍረይን ፈልሲ ቡን ዝዳቐለሉ ቦታን በጺሖም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG