እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፥ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ከምዝሰርሕ ብምግላጽ፥ ግዝኣተ ሕጊ ዝኽበረላን ብቅዋም ትምራሕን ኤርትራ ክርኢ ከምዝደሊ፥ ከምኡ`ውን ግዝኣታዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ሃገርን ህዝብን ንምርግጋጽ ከምዝሰርሕ ኣብ ዕላምኡ ዘርዚሩ`ሎ።
ባይቶ ይኣክል ኣመሪካ ኣብቲ ጸብጻቡ፥ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ`ውን ናይ ገንዘብን፡ መሳርሕታት መከላኸሊ ኮሮናቫይረስን ብምስዳድ ድጋፍ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ፡
ተወልደ ወ/ገ ነቲ ብርሕቐት ዝተኻየደ ኣኼባ ተኸታቲልዎ ኔሩ፡ ንሎሚ ኣሕጽር ኣቢሉ ብምቕራብ፥ ንጽባሕ ሰሉስ ብስፍሕ ዝበለ ኣዳልዩዎ`ሎ- ናብ ተወልደ