ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ኣሰሓሓቢ ምርጫ ክልል ትግራይ ፕረዚደንት'ቲ ክልል ኮይኖም ዝተመርጹ ዶ/ር ደብረጽየን 'ፈደራላዊ ስርዓት ሓዲሽ ምትዕርራይ ዝደሊ`ዩ' ኢሎም


መስርሕ ቃለ መሓላ ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል

"እዚ ፈደራላዊ ስርዓት ሓዲሽ ምትዕርራይ ዝደሊ ናይ ኩልና ማዕርነትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዝድለ ሓድነትን ዘረጋግጽ ቀጻሊ ምትዕርራያት ዝግብኦ ምዃኑ ሓቢርና ክንሰርሕ ንኽእል ምዃና'ውን በዚ ኣጋጣሚ ክንገልጸልኩም ንፈቱ"

እቲ ክልል ካብ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተፈልዩ ኣብ ዘካየዶ መረፃ ዝሰዓረ ውድብ ህወሓት ሎማዓንቲ ሓዱሽ መንግስቲ እቲ ክልል መስሪቱ።

ኣብዚ ምስረታ ሓዱሽ ባይቶ እቲ ክልል ስርሑ ዝጀመረ ኮይኑ ፕሬዝደንት እቲ ክልል ኮይኖም ዝተሾሙ ዶክተር ደብረፅዮን እውን ቃለ መሓላ ፈፂሞም።

'ፌደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ከም ብሓዱሽ ዝተዓራረየሉ እዋን በፂሑ ኣሎ' ኢሎም እቶም ፕሬዝዳንት።

'እዚ ፈደራላዊ ስርዓት ሓዲሽ ምትዕርራይ ዝደሊ ናይ ኩልና ማዕርነትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዝድለ ሓድነትን ዘረጋግጽ ቀጻሊ ምትዕርራያት ዝግብኦ ምዃኑን ሓቢርና ክንሰርሕ ንኽእል ምዃና'ውን በዚ ኣጋጣሚ ክንገልጸልኩም ንፈቱ" ኢሎም ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል።


ርእይቶታት ንምርኣይ (17)

XS
SM
MD
LG