ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡  ፓርላማ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንክካየድ ዘመሓላለፎ ውሳነ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ


liya kassa pr tigray region

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንክካየድ ዘመሓላለፎ ውሳነ ብዘይ-ሕጋዊ መንግስቲ ዝትግበርን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ ኢሉ ።

ሓላፊት ርክብ ህብን መንግስት ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ንቪኦኤ ከትገልጽ ከላ፥ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሕጋዊነቱ ድሕሪ 25 መስከረም ስለዘብቅዕ: ቅቡልነት ዘለዎ ምርጫ ንምክያድ በዓል ሓደራ መንግስቲ ክትከል ኣለዎ ኢላ::

ህወሓት ዝርከቦም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ውድባት መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዘሰናድኦ ምርጫ ክሳተፉ ድዮም ዝብል ተሓቲታ: እቲ ምርጫ ሕጋዊ ኣይኮነን፥ ጉዳይ ተሳትፎ ግን ብውድባት ዝውሰን እዩ ኢላ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG