ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከብዎም 23 ተኸሰስቲ፥ ኣጽዋር ብረት ሒዝካ ህውከት ብምልዕዓልን ኩናት ሕድሕድ ብምትኹቷኹን ገበንን ከምኡ`ውን ብናይ ሽበራ ገበን ክሲ መስሪትሎም።
በዓል ኣቶ ጃዋር ብወገኖም፥ እቲ ክሲ ናይ ሓሶት ክሲ ከምዝኾነን፥ መንግስቲ ካብ ምርጫ ከግሎም ኢሉ ዝገበሮ`ዩ ክብሉ ተቓዊሞም። ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ሚድያ ነትወርክ`ውን ተመሳሳሊ ክሲ መስሪቱ`ሎ።
ቤት ፍርዲ ድማ ዝተፈላለየ ትእዛዛት ሂቡ`ሎ።
በዓል ኣቶ ጃዋር መሓመድ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንደሴ ብዝተላዕለ ህውከት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር።