ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ኣጽዋር ብረት ሒዝካ ህውከት ብምልዕዓልን ኩናት ሕድሕድ ብምትኹቷኹን ክሲ መስሪትሎም


አቶ ጀዋር መሀመድ እና አቶ በቀለ ገርባ
አቶ ጀዋር መሀመድ እና አቶ በቀለ ገርባ

ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከብዎም 23 ተኸሰስቲ፥ ኣጽዋር ብረት ሒዝካ ህውከት ብምልዕዓልን ኩናት ሕድሕድ ብምትኹቷኹን ገበንን ከምኡ`ውን ብናይ ሽበራ ገበን ክሲ መስሪትሎም።

በዓል ኣቶ ጃዋር ብወገኖም፥ እቲ ክሲ ናይ ሓሶት ክሲ ከምዝኾነን፥ መንግስቲ ካብ ምርጫ ከግሎም ኢሉ ዝገበሮ`ዩ ክብሉ ተቓዊሞም። ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ሚድያ ነትወርክ`ውን ተመሳሳሊ ክሲ መስሪቱ`ሎ።

ቤት ፍርዲ ድማ ዝተፈላለየ ትእዛዛት ሂቡ`ሎ።

በዓል ኣቶ ጃዋር መሓመድ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንደሴ ብዝተላዕለ ህውከት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

Recommended

XS
SM
MD
LG