ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኪም ካርዳሺያን፥  ከቲ ፐሪ፥ ሌናርዶ ዲካፕሪዮን፥ ካብ መንጎ`ቶም ኣብ ልዕሊ ፈይስቡክ ተቓውሞ ዘልዓሉ ሰለብሪቲ ኮይኖም ኣለዉ


Anti Facebook Protest
Anti Facebook Protest

ኪም ካርዳሺያን፥ ከቲ ፐሪ፥ ሌናርዶ ዲካፕሪዮ፥ ካብ መንጎ`ቶም ኣብ ልዕሊ ፈይስቡክ ተቓውሞ ዘልዓሉ ሰለብሪቲ ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ተቓውሞ፥ ን24 ሰዓታት ኢንስትግራም ዘይምጥቃም ዝብል`ዩ። ፈይስቡክ ጽልእን ባእስን ዘለዓዕል ትሕዝቶ ጠጠው ንኸብል ከምኡ ኣብ መስርሕ ምርጫ ጌጋ ሓበረታ ካብ ምሃብ ክቑጠብ፥ ኩሉ ሰብ ነቲ ኣካል ፈይስቡክ ዝኾነ ኢንስትግራም ን24 ሰዓታት ከይጥቀም ዝብል`ዩ።

እቲ #StopHateforProfit ማለት `ጽልኢ ንመኽሰብ ደው ይበል` ዝብል ኣብ ልዕሊ ፈይስቡክ ዝግበር ጎስጓስ፥ ጽልእን ጎንጽን ዘለዓዕል ትሕዝቶታት ክንጻወሮ ኣይንኽእልን ኢና፥ ስለዚ ተቓውሞና፥ ንሓደ መዓልቲ ኢንስትግራም ብዘይምጥቃም ንግለጽ ዝብል`ዩ።

ኣብ ኢንስትግራም 188 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዉዋ ኺም ካርዳሽያን ወስት፡ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፥ ከም ፈይስቡክ ዝበሉ መድረኻት ማሕበራዊ ሚድያ፥ ንጽልእን ሓሶትን ፕሮፓጋንዳን ዝዕድም መድረኻት ክኾኑ ስቕ ኢለ ክርኢ ኣይክእልን`የ ኢላ

ፈይስቡክ ብዛዕባ`ዚ ዳሕራዋይ ተቓውሞ ርእይቶ ኣይሃበን፥ ግን- ነቲ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ምርጫ ዩኤስ ንምሕላው፡ ጎንጺ ንዝድግፉ ጉጅለታት ቀይዲ ክገብረሎም ምዃኑ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ።

ዲካፕሪዮ`ውን ኣንጻር ምልዕዓል ጽልእን ዓለታውነትን ኣብ ጎኒ ጉጅለታት ሲቪላዊ መሰላት ደው ከም ዝብል ኣፍሊጡ`ሎ።

ድሕሪ`ዞም ጸለውቲ ዝብሃሉ ስነ-ጥበበኛታት ዘቕረብዎ ተቓውሞ፥ ዕዳጋ ኣክስዮን ፈይስቡክ ክጎድል ተራእዩ`ሎ

XS
SM
MD
LG