ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮቪድ 19 ኣብ ሰባአዊ መሰላት ደቂ ሰብ ዘብፀሖ ፅዕንቶ


ማሕበራዊን ጥዕናውን ኣገልግሎት ንህዝቦም ዘቅርቡ መንግስታት ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ብፍላይ ነቶም ፍሉይ ሓገዝ ዘድዮም ክፋላት ማሕበረሰብ ጥንቃቅ፟ ብዝተመልኦን ብዝጥዕምን መልክዑ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ሰበስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዛሪቦም።

ነዚ ዝሓበሩ ኮቪድ 19 ኣብ ሰባአዊ መሰላት ደቂ ሰብ ዘብፀሖ ፅዕንቶ ብዝብል ኣብ ቤት ምኽሬ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ሰባአዊ መሰላት ደቂ ሰብ ዝተኻየድ ክትዕ 'ዩ።

ላዕለወይቲ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰል ሚሼል ባቺሌ ከምዝበለኦ ሓደ ሓደ ሃገራት ነቲ ቅልውላው ዝሃበኦ ምላሽ ንሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት መሰረት ብዝገበረ ፖሊሲአን እዩ።

ወፅእታት ክሽፍኑ ንዘይክእሉ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ኣሰራርሓ ፣ሓገዝ ገንዘብ ፣ ኣቅርቦት መግብን ካልኦት ኣድለይቲ ናውትን ብምሃብ ነቶም ብምኽንያት እዚ ለበዳ ስራሕቶም ዝሰኣኑ ምህዳኣይ ኩነታት ይፈጥሩ ።

እንተ ሓደሓደ ግን ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ክፋላት ማሕበረሰብ ፀማም እዝኒ ክህቡዎም ይረአ፤ እዚ ድማ ሰባኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ዝሃሲ እዩ ክብላ የጠንቅቃ።

XS
SM
MD
LG