ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጹብ ድንቅ ዝተባህለሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሐ ሸገር ፓርክ ተመሪቑ


SHEGER PARK AND PARADE
SHEGER PARK AND PARADE

ንከተማ ኣዲስ ኣበባን ህዝቢ ኢትዮጵያን ናይ ሓዲሽ ዓመት ህያብ ኮይኑ ዝቐረበ ሸገር ፓርክ ሎሚ ተመሪቑ። ፕረሲደንት ሳህለወርቅ ዘውደ፥ ኢትዮጵያውያን ዝኾርዑላን ናይ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ መዲና ዝኾነትን ኣዲስ ኣበባ፥ እዚ ዝመስል ናይ ህዝቢ መዘናግዒ ክትረክብ ከላ፥ስማን ደረጅኣን ልዕል ከምዝብል ኣመልኪተን።

ተሰማሚዕናን ተርዳዲእናን፥ ዘለና ዓቕሚ ኣወሃሂድና እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል`ውን እዚ ሓዲሽ ፓርክ ህያው ምስክር`ዩ ኢለን።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ መዘናግዒ ፓርክ ኣብ ምትግባር ንዝገበሮ ኣስተዋጽኦ`ውን ኣመስጊነን። ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ`ውን ኣብ ምህናጽ`ቲ ፓርክ ዓቢይ ኣበርክቶ ጌሮም ዝበሎም ህያባት ኣበርኪትሎም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፥ ኮማንዶታት ሓይሊ ኣየር፥ ኣየር ወለድን፥ ሪፓብሊካን ጋርድን ወተሃደራዊ ምርኢታት ኣርእዮም፥ ከምኡ`ውን እቲ መንግስቲ ሓደስቲ ታንክታቱን መዳፍዓቱን ንምርኢት ከም ዘቕረበ ተሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG