ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ምርጫ ፥ ናይ `ጨረቃ` ምርጫ`ዩ`  ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ


PM ABiy AHmed Interview
PM ABiy AHmed Interview

ሕጂ ዘሎ ናይ ህወሓት ሓይሊ ርእሱ ደሪቑ`ዩ ፥ ጅቡኡ እናነጸፈ ምስከደ ድማ ክጠፍእ`ዩ ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ዝደረቐ ኣተሓሳስባ ምስ ዝኸይድን፥ ኣብ ጸልማት ምስ ዘሎ ሓይልን ገልታዕታዕ ኣየድልን ኢሉ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ከም ብብርሃን ወርሒ ተሓጊዝካ ብጸልማት ዝስራሕ ገዛ ዝገለጾ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ከምኩሎም ብለይቲ ተሓቢእካ ዝስርሑ ገካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾኑ ገዛውቲ፥ እቲ ናይ ክልል ትግራይ ምርጫ`ውን ዋጋ ዘይብሉ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ሕጂ ዘሎ ናይ ህወሓት ሓይሊ ርእሱ ደሪቑ`ዩ ፥ ጅቡኡ እናነጸፈ ምስከደ ድማ ክጠፍእ`ዩ ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ: ኣብ ዝደረቐ ኣተሓሳስባ ምስ ዝኸይድን፥ ኣብ ጸልማት ምስ ዘሎ ሓይልን ገልታዕታዕ ኣየድልን ኢሉ።

ኣብቲ ምስ ተለቪዥም ኢትዮጵያ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፥ መንግስቱ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዘይወስድ፥ ንህዝቢ ትግራይ ስለዘይጠቅም`ምበር፡ውግእ ኣድላዪ ኔሩ እንተዝኸውን፥ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምዝዛሙ ከምዝክኣል ኣፍሊጡ።

መርገጺ ፈደራል መንግስቲ ካብ መጀመርያ`ውን ግልጺ`ዩ ኔሩ- ብባይቶ ወከልትን ብቤት መኽሪ ፈደረሽንን ዝተንጸባረቐን- ብዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን ዝተገልጸን`ዩ ኔሩ።

እዚ ድማ ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምርጫ ምክያድ ከምዘይክእል ካብ ዝገለጸሉ ግዜ ጀሚሩ ብግልጺ ዝተራእየ`ዩ።

ንውሳነ ቦርድ ምርጫ ዘይተቐበለ- ንናይ ክልቲኡ ባይቶ ፈደራል መንግስቲ ምርጫ ናይ ምንዋሕ ውሳነ`ውን ዝተቓወመ ገዛኢ ፓርቲ ክልል ትግራይ ህወሓት ብወገኑ፥ ብተቓውሞኡ ካብ ምድፋእ ሓሊፉ ሎሚ ምርጫ ኣካይዱ`ሎ።

ምርጫ ክልል ትግራይ ጳጉመን 4 2012
ምርጫ ክልል ትግራይ ጳጉመን 4 2012

ብዛዕባ ዝተፈላለየ እዋናዊ ጉዳያት ምስ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ቃለ-መጠይቕ ዝገበረ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፥ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ፥ዘይ-ሕጋውን፥ ዘይጸንዕን ምዃኑ`ዩ ተዛሪቡ፥

" ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ምርጫ ፥ ናይ ጨረቃ ምርጫ`ዩ፥ ከም ብለይቲ ተሓቢእካ ዝስራሕ ገዛ። ናይ ጨረቃ ቤት፥ወሰን ወሰን ተሓቢእካ ክትሰርሕ ከለኻ፥ ሓደ መዓልቲ ናይ ቀብሌ ኣቦ መንበር ይርእየካ`ሞ፥ ካልእ መዓልቲ ኣይርእየካን ወይ እናረኣየካ ይሓልፍ። እንተኾነ ግን፥ እቶም ናይ `ጨረቃ ቤት` ገዛውቲ ካርታ ስለዘይብሎም ጥራይ ዘይኮነስ፥ ወይ መብራህቲ ብሕጋዊ መንገዲ ሰለዘይኣትወሎም ጥራይ ዘይኮነስ፥ ካብ ሕጊ ወጻኢ ምዃኖም ስለዝፈልጡ ደቂሶም ኣይሓድሩን`ዮም። ጠሸም ዝብል ድምጺ ብዝተሰምዐ ቁጽሪ፥ ዶዘር መጺኡ ከፍርሶም ዝመጸ ይመስሎም። እዚ`ውን ከምቲ ናይ ጨረቃ ቤት ሕጋዊ ዘይኮነ፡ እዚ `ውን ናይ ጨረቃ ምርጫ`ዩ ሕጋዊ ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ምክያድ ዝክኣል ብቦርድ ምርጫ ጥራይ ስለዝኾነ "

ኣብ ሓደ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነን፡ ዘይጸንዕን ጉዳይ ግዜ ምጥፋእ ኣየድልን`ዩ ኢሉ ወሲኹ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር፥-

" ህወሓት መንግስትነቱ ዝውድኣሉ ግዜ፥ኣብ ዝሓለፈ ብዝተወሰነ ውሳነ መሰረት፥ ክሳብ ዝቕጽል ምርጫ ዝጸንሕ ኮይኑ፥ ኣብ ምርጫ ብምሽናፍን ምውዳቕን ዝውሰን`ዩ። ኣብዚ መንጎ`ዚ ዝግበሩ ናይ ዕቁብ፡ ወይ እድር ምትእኽኻባት ወይ ጉባኤታት፡ ንዓና ሕማም ርእሲ ክኾኑ የብሎምን። ሎሚ`ውን ህወሓት `ዩ ዝመርሕ ዘሎ፥ እቲ ናይ `ጨርቃ ቤት` ጸወታ ምስ ሓለፈ`ውን ህወሓት`ዩ ክመርሕ።

ኣብቲ ዝቕጽል ሃገራዊ ምርጫ ግን፥ ኣብ ፓርላማ ኮነ ኣብ ዝገበሩ ሃገራዊ ምርጫታት ዘይሳተፍ እንተኾይኑ ተቐባልነት የብሉን፡ ነዚ ኢና ብዙሕ ዋጋ ዘይንህቦ ዘለና "

ኣተሓሒዙ፥ ብእኡ ዓይኒ ኢና ክንርእዮ ዘለና`ምበር፥ በቃ ዘክሩኒ ኣብዚ`የ ዘለኹ ኣብ ዝብል ኣውያት ኩሉ፥ ኢድና ኣእቲና ካብ ዋና መንገድና ደው ክንብል የብልናን። ግን ዘይ-ሕጋዊ`ዩ። ምርጫ ኣይኮነን፥ ምርጫ ዝብሃል ቦርድ ምርጫ ክመርሖ ከሎ`ዩ። እዚ ከም ሓደ ናይ እድር ምትእኽኻብ ኢና ንርእዮ። ግዜና ክነጥፍኣሉ የብልናን ኢሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ።

ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከም ኣማራጺ ከምዘይወስዶ`ውን ዝተዛረበ ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ መንግስቲ ነቲ ምርጫ ጠጠው ንምባል ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዘይጥቀም፥ ንህዝቢ ትግራይ ዘይረብሕ ብምዃኑ ጥራይ ከምዝኾነ`ውን ኣብሪሁ፥

" እቲ ህዝቢ ዝደልዮም ኣገልግሎታት ልምዓት ኣይረኸበን። ንሕና ነቲ ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ክነተኩር`ዩ ዝግብኣና`ምበር፥ ጉልበት ኣለና ኢልና፥ ናብ ውግእ ምእታው ነቲ ሕብረተሰብ ዝያዳ ንጎድኣሉን ንዝኸፍአ ድኽነት ዝቃላዓሉን ስለዝኾነ፥ ነዚ ብጥበብን ብልቦናን ምርኣይ ሰልዝሓትት`ዩ። ሓደ ሓደ ሰባት ኣብኡ ብዙሕ ሚልሻ ስለዘሎ ኢሎም ዝሓስቡ ኣለዉ። ንሱ ጌጋ`ዩ። ውግእ ብቑጽሪ ሚልሻ ኣይመልእን`ዩ። ውግእ ዝሽከሞ ብዙሕ ነገር ኣሎ፥ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዝነበረ ኩናት`ኮ ርኢናዮ ኢና፥ ኣይተዳለናን ተዳሊና ኢና ዝብል ጉዳይ ዘይኮነስ፥ ህዝቢ ኣሎ፥ ሓይሊ ኣሎ፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ኣብ ውሽጢ ዝሓጸረ ግዜ ምውድኡ ይክኣል`ዩ- ግን ንሱ ኣይኮነን ጸገምና፡ ንመን ኢና ንወግእ፥ ንመን ኢና ነጥቅዕ ዝብል ጉዳይ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ`ዩ። ብወገነይ ንኢትዮጵያ ውግእ የድሊ`ዩ ኢለ ኣይሓስብን። ብፍጹም ውግእ ምስ ዝደልዩ ወገናት ክምደብ ኣይደልን`የ። ኣነ ዝደልዮ ፥ ንትግራይ ሓንቲ ጥይት ዘይኮነስ፥ ሓንቲ ናይ ኮሮና መሸፈኒ ኣፍ ክልእኽ`የ ዝደሊ፥ ሓንቲ ጥይት ዘይኮነስ ሓንቲ ታፕለት ክልኣኽ`የ ዝደሊ፥ ሓደ ጉድጓድ ማይ ክኩዓት`የ ዝደሊ፥ ብልምዓት ክቕየር ኣለዎ ኢለ`የ ዝሓስብ፥ሎሚ ዘሎ ሓይሊ ፈትዩ ጸሊኡ ክጠፍእ`ዩ"

ሕጂ ዘሎ ናይ ህወሓት ሓይሊ ርእሱ ደሪቑ`ዩ ፥ ጅቡኡ እናነጸፈ ምስከደ ድማ ክጠፍእ`ዩ ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ዝደረቐ ኣተሓሳስባ ምስ ዝኸይድን፥ ኣብ ጸልማት ምስ ዘሎ ሓይልን ገልታዕታዕ ኣየድልን ኢሉ።

ምርጫ ክልል ትግራይ ጳጉመን 4 2012
ምርጫ ክልል ትግራይ ጳጉመን 4 2012

​እቲ መራሒ ኢትዮጵያ ኣተሓሒዙ፥ እንታይነት ዝውሰድ ስጉምቲ ዝውሰን፥ ብመንጽር ጠቕሚ ህዝቢ ትግራይ`ዩ ድሕሪ ምባል ፥ ኣብ`ቲ ክልል ዘለና ኣተሓሕዛ እንውስኖ፥ ብመንጽር`ቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝብና`ዩ ኢሉ።

ለንቅነ ህጹጽ ኣኼባ ዘካየደ ቤት-መኽሪ ፈደረሽን፡ ምርጫ ክልል ትግራይ ንሕገ-መንግስቲ`ታ ሃገር ዝጻባእ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ዩ።

ምስ ምርጫ ተተሓሒዙ፥ ብመንግስቲ`ቲ ክልል ዝተወሰኑ ውሳነታት ኮኑ እቲ ምርጫ ንባዕሉ፥ ብሕገ-መንግስቲ ዓንቀጽ 9 (1 ) መሰረት፥ ከምዘይተገብሩ ዝቑጸሩን፡ ዘይጸንዑን ተፈጻምነት ዘይብሎምን ከም ዝኾኑ ወሲኑ`ዩ።

ሎሚ እቲ ምርጫ ከም ዝተኻየደ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን፥ ካብ ፈደራል መንግስቲ ኮነ ካብ ፈጻሚ ኣካል ወይ ካብ ትካላት ኮነ ካብ ኣብያተ መኽርታት ዝወጸ መግለጺ ኮነ ዝተዋህበ ርእይቶ የለን።

ድምጺ ኣመሪካ ብስልኪ ዝረኸባ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኣማኻሪት ኮምኒኬሽን ሶልያና ሽመልስ፥ እንህቦ ርእይቶ የብልናን እያ ዝበለት።

ካብ ሓለፍቲ ቤት መኽሪ ፈደረሽን ርእይቶ ንምርካብ ዝተገበረ ጻዕሪ`ውን ኣይሰለጠን።

ስለዚ ንግዚኡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ እንኮ ርእይቶ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንተለቪዥን ኢትዮጵያ ዝተዛረቦ ጥራይ`ዩ። ኣብቲ ርእይትኡ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ምርጫ ከም ምርጫ ከምዘይቁጸር`ዩ ገሊጹ፥ እዚ ንዓና ሕማም ርእሲ ክኸውን ኣይግባእን ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር፡ ግዜ ምብኻን ኣየድልን ዝብል ወሲኹሉ ቀዳማይ ሚስንተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ።

XS
SM
MD
LG