ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ጋዜጠኛታት ናብ ክልል ትግራይ ከይዶም ነቲ መንግስቲ ዘይ-ሕጋዊ ዝብሎ ክልላዊ ምርጫ ከይስንዱ ብነፋሪት ምብራር ከልኪሎም


Ethiopia's Prime Minister Abiy Ahmed
Ethiopia's Prime Minister Abiy Ahmed

ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ጋዜጠኛታት ናብ ክልል ትግራይ ከይዶም ነቲ መንግስቲ ዘይ-ሕጋዊ ዝብሎ ክልላዊ ምርጫ ከይስንዱ ብነፋሪት ምብራር ከልኪሎምመንግስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ክፉት ምዕራፍ ከሳግራ ኣብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን፥ ንጽባሕ ረቡዕ 9 መስከረም ወይ 4ተ ጳጉመን ኣብ ክልል ትግራይ ተሓሲቡ ዘሎ ምርጫ ጸገም ኮይንዎ`ሎ።

ቅድሚ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ን27 ዓመት ንጥምረት መንግስቲ ፓርትታት ኢትዮጵያ ዝመርሐ ክልል ትግራይ፥ መንግስቲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ነቲ ሃገራዊ ምርጫ ምስግጋሩ ብተሪር ክቃዎሞ`ዩ ጸኒሑ`ሎ። ንክልላዊ ምርጫ ንምኽልካል ዝግበር ዝኾነ ፈተነ ድማ ከም እወጃ ኩናት`የ ዝቖጽሮ ኢሉ ኔሩ።

ቤት-መኽሪ ፈደረሽን ዝሓለፈ ቀዳም ነቲ ምርጫ ትግራይ ዘይሕጋዊ`ዩ ኢልዎ`ዩ። ኣብ ልዕሊ`ቲ ክልል ዝኾነ ማዕቀብ ናይ ምግባር እማመ ግን ኣየቕረበን።

ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰልን ናጽነት ፕረስን፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ረፖርተራት ዝተወስደ ምክልባት ኮኒኖሞ`ዮም- ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ምርጫ ዝበለ ፍጻመታት ንምሽፋን ንኣህጉራውን ዘቤታውን ሚድያታት ኣዝዩ ኣገዳሲ`ዩ ብምባል።

ለይቲሻ በይደር፥ ኣብ ሁማን ራይትስ ዋች ዲረክተር ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ`ያ፥ ከምዚ ትብል፥

"ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበሩ ፍጻመታት ኣብዚ እዋን`ዚ ዓቢይ ህዝባዊ ኣገዳስነት ኣለዎም። ፈደራል መንግስቲ ንጋዜጠኛታት ክኽልክሎም ኣይግባእን`ዩ። ኣህጉራዊያን ትካላት ይኹና ናይ ኢትዮጵያ ሚድያታት ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ምዕባለታት ብናጻ ሪፖርት ክገብራ ክፍቀደን ኣለዎ"

ጋዜጠኛታትን ብርክት ዝበሉ ገያሾን -ምስ ኣህጉራዊ ጉጅለ ቅልውላው ዝሰርሕ ዊልያም ዳቪድሰን ዝርከቦም- ኣብ ከባቢ ማዕጾ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ፥ ክልተ ሰበ-ስልጣን ጸጥታ መጺኦም፥ ምስ መን ከም ዝሰርሑ፥ ስለምንታይ ንመቐለ ይኸዱ ከምዘለዉን፥ ምኽንያት መገሻኦምን ሓቲቶሞም።

3ተ ንኣውሎ መዲያ ዝተባህለ ናይ ውሽጢ ሃገር ሚድያ ዝሰርሑን፥ ነዚ ሪፖርት`ዚ ዝለኣኸን፥ ተለፎናቶም፥ ፓስፖርቶምን ፕረስ ካርዶምን ተሓዲጎም። ሓደ በዓል ስልጣን ድማ ናይዚ ሪፖርተር ቁጽሪ ተለፎን ወሲዱ ንኣካውንት ማሕበራዊ ሚድያ ክፍትሽ ሓቲቱ።

ክልተ ንኣውሎ ሚድያ ዝሰ​ርሑ ሪፖርተራት ብምኽንያት`ቲ ኣብ መቐለ ዝካየድ ምርጫ ከምዝተኸልከሉ ገሊጾም ኣለዉ።

ዝሓለፈ ሰሙን፥ በዓል-ስልጣን ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ፥ ናብ ጋዜጠኛታት እናደወለ፥ ነቲ ፈደራል መንግስቲ ኣፍልጦ ዘይሃቦ ምርጫ ከይጽብጽቡ ኣጠንቂቑ ምንባሩ`ውን ተጠቒሱ`ሎ።

ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ርኢቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ`ሎ፥ ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ወጻኢ ድማ ክርከቡ ኣይተኻእለን።

ማሕበር ወከልቲ ጋዜጠኛታት ወጻኢ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ሪፖርተራት ከይጽብጽቡ ዝተግብረ ነገር ብኸቢድ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ`ሎ።

'ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ፥ ንጋዜጠኛታት ክጽብጽብዎ ዘለዎምን ኣብ ዘይብሎምን ጉዳይ ፖሊስ ብምዃን፥ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ናጽነት ሚድያ ንምዕባይ ዝተወስደ ስጉምትታት ከይጎድእዎ ንምሕጸን "ይብል እቲ ማሕበር ዘውጽኦ መግለጺ- ከም ጸብጻብ ሳይመን ማርክስ ካብ ኣዲስ ኣበባ።

XS
SM
MD
LG