ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት መኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየዱ ዘለዉ  ናይ ምርጫ ምንቅስቓሳት ከም ዘይተኻየዱ ዝቑጸሩ፥ ዘይጸንዑን ተፈጻምነት ዘይብሎምን`ዮም ብምባል ወሲኑ


Ethiopia Upper House

ቤት መኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ፥ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ምርጫ ምንቅስቓሳት ንሕገ-መንግስቲ ዝጻረሩ ስለዝኾነ ብመሰረት ዓንቀጽ 9 (1) ፥ ከም ዘይተኻየዱ ዝቑጸሩ፥ ዘይጸንዑን ተፈጻምነት ዘይብሎምን`ዮም ብምባል ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ`ሎ።

ብዛዕባ`ዚ ርኢቶታቶም ዝሃቡ ራያ-ራዩማ ፓርትን ወልቃይት ጠገዴ መንነት ኣኽባሪ ኮሚቴን፥ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምርጫ ምንቅስቓስ፡ ቤት-መኽሪ ፈደረሽን ካብ ሕጊ ወጻኢ`ዮም ኢሉ ምምዳቡ ግቡእ`ዩ ድሕሪ ምባል፥ ኣብ ወልቃይትን ኣብ ራያን ንዝፈጸሙ ዘለዉ ግህሰታት ሰብእዊ መሰላት ግን ዝኾነ ዓይነት ፍታሕ ብዘይምቕማጡ ቅር ኢሉና`ሎ ።


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG