ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም COVAX ውድብ ጥዕና ዓለም ትሽዓተ ክታበታት ቫይረስ ኮሮና ይግምግም ከምዘሎ ኣፍሊጡ


ፕሮግራም COVAX ውድብ ጥዕና ዓለም 172 ሃገራት ብዘወፍያሉ ምትሕብባር ትሽዓተ ክታበታት ቫይረስ ኮሮና ይግምግም ከምዘሎ ሎሚ ሶኑይ ኣፍሊጡ።

ፕሮግራም COVAX ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ፈለማ እዚ ሒዚናዮ ዘለና ዓመት እዩ ተጣይሱ።

ናይኮቪድ-19 ክታበት እንተድኣ ተረኺቡን ካልእ ሕክምናን ብደረጀ ዓለም ኩለን ኣባል ሃገራት ማዕረ ተረባሕቲ ዝኾናሉ ፃዕርታት እዩ።

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ርቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ እቲ ናይ ምትሕብባር ፃዕሪ ለበዳ ክቪድ-19 ንከብቅዕ ወሳኒ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG